Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምረቓ ምእላይ ንመስኖ ዝውዕል ማይ

ምረቓ ምእላይ ንመስኖ ዝውዕል ማይ

63

ኣብ ወረዳ ሳምረ ጣብያ ለምለም ዓረና ካብ ሩባ ዛምራ ምእላይ ንመስኖ ዝውዕል ማይ ተመሪቑ።

ብምትሕብባር ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይን ኢፋድን ልዕሊ 60 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ብምግባር ከም ዝተሰርሐ ኣብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ዳይሬክተር ቀረብ መስኖ ማይ ኣይተ ተስፋኣለም ገብረ ገሊፆም።

ን64 ሄክታር መሬት ዘልምዕ ኮይኑ ን556 መራሕቲ ስድራ ተጠቃምነት ዝገብር ምዃኑን ብኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ህንፀት ማይ ትግራይ ከምዝተሰርሐ ኣይተ ተስፋኣለም ወሲኾም ኣብርሆም።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ሳምረ ኣይተ ብርሃኑ መሓሪ እዚ ፕሮጀክት ንክስራሕ ሕቶ ህዝቢ ምንባሩን ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ምምራቑ ሕድሪ ሰማእታትና ብተግባር ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።

ተጠቀምቲ እቲ ፕሮጀክት ጉልበትናን ገንዘብናን ስለዝቖጠብልና ኣብዚ ስራሕ ንዝተሳተፉ ኣመስግኖም።

#ብጥዑማይ _ገዛኢ