Home ዜና ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተመያየጡ መሪሕነት ህወሓት ነኒባዕሎም ይካሰሱ ኣለው።

ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተመያየጡ መሪሕነት ህወሓት ነኒባዕሎም ይካሰሱ ኣለው።

195

መቐለ፥ 03 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ብኣቦመንበር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል (ዶ.ር) ዝምራሕ ህወሓት “ብሄራዊ ክሕደት እናፈፀመ እዩ” ኢሉ ዝፀወዖ ሓይሊ  ዝሓዞ መንገዲ ጥፍኣት ኣብ ሓፂር ግዜ መልክዕ ንምትሓዝ ናብ ቃልሲ ኣትየ ኣለኹ” ኢሉⵆ

ብምክትል ኣቦመንበር ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ድማ እቲ “ዓመፀኛ ጉጅለ” ኢሉ ዝፀወዖ ኣካል ህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ናብ ምትፍናን ንምእታው ክተት ብምባል ሓደገኛ መንገዲ ይኽተል ኣሎ ክብል ይኸስስⵆ

——
ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተመያየጡ መሪሕነት ህወሓት ነኒባዕሎም ይካሰሱ ኣለው።

ብኣቦመንበር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶር) ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ “ህወሓት ዘውረዶ” ዝበሎ ፕሬዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳይ ብኻልእ ተወካሊ ንምትካእ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 10 ሕዳር 2017 ዓ.ም ዝርርብ ኣካይዱ ምንባሩ ብምግላፅ እቲ ዛዕባ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ንምቕፃል ኣብ ምርድዳእ ምብፅሑ ኣመላኺቱ እዩⵆ

ብኻሊእ ገፅ ብምክትል ኣቦመንበር ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ፤ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተኻየደ ገምጋም፤ ”ስራሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ተገምጊሙ ከምዝወደቐ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኩሉ ከኣ አእጃሙ ኣልዒሉ እዩ“ ኢሉ ። ብፍላይ እቲ “ዓመፀኛ ጉጅለ” ኢሉ ዝፀወዖ ኣካል  “ኮነ ኢሉ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከይሰርሕን ህዝባዊን ፖለቲካዊን ድጋፍ ከይረክብን ሰሪሕካ ኢኻ” ብዝብል ከምዝተገምገመን “እዚ ከዓ ብውድቀት ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣሳቢብካ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝዓለመን እዩ“ ከምዝተበሃለን ኣቐሚጡⵆ

ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶር) ዝምራሕ ህወሓት ኣብ መግለፂኡ “እቲ ካብ ህወሓት ዝተጎለለ ብሄራዊ ክሕደት ዝፍፅም ዘሎ ጉጅለን ውሑዳት ኣብ ተመሳሳሊ ኣጀንዳ ዘለዉ ውልቀሰባትን“ ኢሉ ዝፀወዖም ኣካላት ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ብምህጋር ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዘእትዉ ሕቶ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘቐረበ ይገልፅⵆ “እቲ ካብ ህወሓት ዝተጎለለ” ኢሉ ዝፀወዖ ጉጅለ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይተረጋገፀሉ ኩነታት ሰራዊት ትግራይ ብሽም ዲዲኣር ብቕልጡፍ ዕጥቁ ክፈትሕን ክብተንን ዝገብር ሓሳብ ኣቐሪቡ እዩ ኢሉⵆ

ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ድማ “ብኣፍ ህወሓት እየ እናበለ ህወሓትነት ዝራሕረሐ ፋሉል ጉጅለ” ብምባል ዝገለፆ ሓይሊ “ንስምምዕ ፕሪቶርያ እናቋናፀየን እናዕንቀፈን ከምዝመፀ ምሽጥር ኣደባባይ እዩ” ኢሉ ።እቲ ሓይሊ “ንስልጣኑ ክብል ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ይኽልክልን የዕንቅፍን ከምዝነበረን ዘሎን ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተነፀረ መስርሕ DDR ከይትግበር ተንኮል ይፍሕስን ወዘተ ብዝብል ካብ ዝተፈላለየ ኣካላት ንዝቐረበሉ ገምጋም ብብቕዓት ክምክት ኣይካኣለን” ክብል ኣመላኺቱ።

ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶር) ዝምራሕ ህወሓት ነቲ “ብሄራዊ ክሕደት ይፍፅም ኣሎ” ዝበሎ ሓይሊ “ህወሓት ከም ኢህወዴግ ካብ ውሽጥን ደገን ንምፍራስ እናሰርሐ ንፅረትን ተስፋን ስኢኑ ንኽብተን ብዙሕ ሰሪሑ፣ ብሽም ለውጢ ፖለቲካዊ ሕፅቦ ንምክያድ ከምኡ ‘ውን ሕገ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሪሱ ኣብያተ ምኽሪ ንምብታን ሰሪሑን ይስርሕን ኣሎ” ክብል ይኸስስⵆ

እቲ  ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ድማ ብኣንፃሩ እቲ “ከዳዕ ኢሉ ዝፀወዖ ጉጅለ” ምስ ፌዴራል መንግስቲ ካሊእ ይዘራረብን ይስማዕማዕን ንህዝቢ ትግራይ ዝብሎ ድማ ካሊእ እዩ ብምባል “እዚ ጉጅለ ንህወሓት ወኪሉ “ሕገመንግስቲ ብዓመፅ ንምፍራስ ተንቀሳቒሰ እየ” ኢሉ ተቐቢሉ ብምፍራም ንመኸተና ዘህገረን ንህወሓት ነሓሰ 3/2016 ዓ/ም ዝተፈጠረ ውድብ ጌሩ ዘመዝገበን እናሃለወ ናብ ትግራይ ምስተመለሰ ከዓ ዘይንሱ ካሊእ ተቓላሳይ ከምዘየለ ኮይኑ ቀሪቡ እዩ” ክብል ኣመላኺቱ።“ህዝባዊ ኣሰር ህወሓት ሓሊና ህወሓት ብቀፃሊ ቃልሲን ፀገም ህዝቢ ምፍታሕን ፈተናታት ምብዳህን ንመድረኽ እናበቕዐን እናተለወጠን ዝምርሽ ውድብ ክከውን ንቃለስ ኢና“ ብምባል ሓቢሩⵆ

ብደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶር) ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እቲ “ካብ ህወሓት ዝተጎለለ ሓይሊ”ኢሉ ዝፀወዖ ኣካል “ብወገን ትግራይ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ርክብ ከይፍጠር ንምክልኻል ብዝብል ሰበብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ንኽኣቱ ደጋጊሙ መፀዋዕታ ኣቕሪቡ” ዝብል ክሲ ኣቐሪቡ እዩⵆ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወገን ትግራይ ተወካሊ ክስእን ዓሊሙ ክሰርሖ ዝፀንሐ ውዲት ንምዝዛም ብዓል ዋና ስምምዕ ፕሪቶሪያ መን ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክውስን ሕቶ ኣቕሪቡ” ብምባል “ካብ ህወሓት ዝተጎለለ ጉጅለ” ኢሉ ዝፀወዖ ሓይሊ “ዝሓዞ መንገዲ ጥፍኣት ኣብ ሓፂር ግዜ መልክዕ ንምትሓዝ ዘኽእል መደብ ሓንፂፁን ወሲኑን ናብ ቃልሲ ኣትየ ኣለኹ” ኢሉⵆ

እቲ  ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት ድማ “ንህዝቢ ትግራይ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ናብ ምትፍናን ምእታውን ፀገም ህዝቢ ከይፍታሕ ምግባርን ምብእኣስን ናብ ኮረቻ ስልጣን ንምምፃእ “ዓመፀኛ ጉጅለ”ኢሉ ናይ ዝፀወዖ ኣካል “ቀንዲ ዝኽተለን ዘሎ ስልትታት እየን” ብምባል “ህዝቢ ትግራይ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ቀፃላይ ምትፍናን ከእትዎ ኣለኒ ኢሉ ሓደገኛ መንገዲ ሒዙ ኣሎ” ክብል ኸሲሱ። “ኣብ ትግራይ ዘላቒ ለውጢ ንምምፃእን ጊዚያዊ ምምሕዳርና ፖለቲካዊን ህዝባዊን ድጋፍ ረኺቡ ተልእኹኡ ቀልጢፉ ወዲኡ ናብ ዝተመረፀ ህዝባዊ መንግስቲ ከስጋግረና እዩ ድሌትና” ኢሉ።

ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ ብወገን መንግስቲ ፌደራል 27 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ፣ተሰናበቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ድማ ናብ ንቡር ህይወቶም ንክምለሱ ክስራሕ ከምዘለዎ ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ እዩ ምባሉ ይዝከር።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክልላዊ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ንክፍፅም ዘኽእሎ ኣንፈት ብምቕማጥ እቲ ሓበራዊ ዘተ ከምዝተዛዘመ ምግላፁ ይፍለጥ።

#ዛይድ_ተስፋይ