Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምስ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ እንግሊዝ ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይድና ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር...

ምስ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ እንግሊዝ ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይድና ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ።

182

መቐለ፥1 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ( ቴሌቪዥን _ትግራይ)

ብሚኒሰተር እንግሊዝ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካ ሎርድ ኮሊንስ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ እንግሊዝ ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይድና ኢሎም ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ።

ምስ ሚኒስተር ሎርድ ኮሊንስን ካልኦት ኣመራርሓ ኤምባሲ እንግሊዝን አብ መስፋን ዘላቒ ሰላም፣ዞባዊ ምርግጋዕ፣ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይን ካልኦት ዛዕባታትን ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዘሳለጡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝፀሓፉዎ መብርሂ ገሊፆም።

መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ጥዕና ፣ትምህርትን ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝሰርሕን ትግራይ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ዝከኣሎ ደገፍ ከም ዝገብርን ሚኒስተር ኮሊንስ ምግላፆም ኣረዲኦም ኘረዚደንት ጌታቸው።

ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልትን መንበሪ ጉዱኣት ተጋደልትን

ዘሎ ኩነታት ዝረኣዩ እቶም ሚኒስተር መንግስቶም ተጋደልቲ ትግራይ እግሪ ኣብ ምትካልን ናብ ሕብረተሰብ ኣብ ምንፅባርን ንዝግበር ፃዕሪ ደገፉ ከም ዝቕፅ ኣረጋጊፆምለይ ኢሎም ፕረዚደንት ጌታቸው።

መንግስቲ እንግሊዝ ንምውራድ ዕጥቂ፣ምትካል እግሪ ተጋደልትን ናብ ሕ/ሰቦም ንምፅንባርን ዝሕግዝ 16 ሚልዮን ፓውንድ ሓገዝ ምግባሩ ተገሊፁ እዩ።

ውሽጣዊ ኣፈላላያትና ብሰላማዊ መንገዲ ክንፈትሖን ህዝብና ካብ ፀለዎ ከቢድ ፀገም ክነውፅኦን እንተኾይንና ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ክነተኹር ይግባእ ኢሎም ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ እንግሊዝ ዝገበርዎ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ።

#ብኪሮስ መሓሪ