ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተከበረ መበል 1443 ሂጅርያ በዓል #ዒድ ኣልፈጥር ተረኪቦ ኣብዘመሓላልፍዎ መልእክቲ ኩሎም ሃይማኖታት ካብ ደገ እዮም ናብ ትግራይ ኣትዮም ። ንሕና ትግራዎት ግና መረበትና ትግራይ እዩ። ከም ትግራዎት ድማ ፀላእትና ክንምክት ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ከም ኳና ዑንጉለ ከምዝፈርስን እዚ ንምግባር ድማ ሕብረትን ስምረትን ህዝቢ ትግራይ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎን ዝተፈፀመን #ጀኖሳይድ ህዝቢ ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ይከበር ፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢታት ይተሓሎ ስለዝበለ እዩ ዝበሉ ኣምባሳደር ፀጋይ እዞም ፀላእቲ ሕብረትን ስምረትን ህዝቢታት ከምዘይደልዩን ኣብ ኣፈላላይ ህዝቢታት ከምዝነብሩን ድማ ኣብሪሆም ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብታርኹ ብፀላእቱ ተንበርክኹ ኣይፈልጥን ዝበሉ ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ፀላእቲ እዛ ዓዲ የፍርስዋ ኣለዉ፣ ህዝቢ ትግራይ ክስዕር እዩ ክባን ዕፅዋን ድማ ክፍንፃሕ እዩ ኢሎም፡፡
ዛጊድ ብዘሎ ተመክሮ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ተኸልኽሉ ኣይፈልጥን ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተበይኑ ዘሎ ብይን ዕፅዋን ክባን ካብ ናይ ዓለም ተመክሮ ዝተፈላለየ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ዩክራን ፍሊስጥየምን ንኣብነት እንተወሲድና ዉግኣትን ሰላማዊያን ከለላ ተገይርሎም ክወፁ እዩ ዝግበር ኢሎም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ስዕረት ኣይፈልጥን ዝበሉ ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ኻና ዕንጉለ ከም ዝፈርሱን ነዚ ንምዕዋት ድማ ህዝቢ ትግራይ ሕብረቱን ስምረቱን ከጠናኽር ይግባእ ኢሎም፡፡