Home ቢዝነስ ምትእትታው ቴክኖሎጂ ትካላት ፋይናንስ

ምትእትታው ቴክኖሎጂ ትካላት ፋይናንስ

425

ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ትግራይ ጊዜኡ ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ወኒነን ዘበናዊ ግልጋሎት ዝህባሉ ዕድል ንምፍጣር ኣብ ምስራሕ ከም ዝርከብ ባንኪ ወጋገን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ባንኪ ነዚ ዝገለፀ ምስ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ቀመርን ናይናን ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ወኒነን ስሉጥን ተበፃሕን ግልጋሎት ፋይናንስ ንዓማዊለን ንክህባ ብምዕላም ባንኪ ወጋገን ምስ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ቀመርን ዕቋርን ልቓሕን ናይናን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዝተፈራረመሉ ጊዜ እዩ፡፡

ኣካያዲ ስራሕ ሪጅን ሰሜን ባንኪ ወጋገን ኣይተ ሃፍቶም ገ/እግዚኣብሄር እቲ ባንኪ ኮር ባንኪንግ፣ ሚንዞ ሞባይል ባንኪንግ ዝተበሃሉ ዲጂታል ቴክኖሎጂን ዕድል ልቓሕን ነተን ማሕበራት ብምትእትታው ተገልገልቲ ጊዜን ቦታን ከይዓገቶም ክግልገሉ ዕድል ከም ዝፈጠረሎም ይገልፁ፡፡

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ናይና ኣይተ ናትናኤል ካሳ እቲ እታወት ቴክኖሎጂ ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ናብ ግልጋሎት ስርዓት ባንኪ ክሰጋገራ ዝሕግዝ ብምዃኑ ዓቢይ ረብሓ ከም ዘለዎ የረድኡ፡፡

ኣባላት፣ ጊዜን ቦታን ከይገደቦም ክዓቝሩን ልቓሕ ክወስዱን ዘኽእል ዕድል ብምዃኑ ፅሬትን ሰለጤንን ዘለዎ ግልጋሎት ፋይናንስ ኣብ ምርግጋፅ ዝልዓለ ግደ ከም ዘለዎ ዝገለፁ ድማ ኣካያዲ ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ቀመር ኣይተ ፍስሃ ገብረ እዮም፡፡

#ብበላይ_ሽፈራው