Home ዜና ምኽትል ፕሬዝደንት ማላዊ ዘሳፈረት ነፋሪት ደሃያ ጠፊኡ።

ምኽትል ፕሬዝደንት ማላዊ ዘሳፈረት ነፋሪት ደሃያ ጠፊኡ።

182

ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳውሎስ ቺሊማን ዝተሳፈረላ ነፋሪት ደሃያ ከም ዝጠፍአ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ ሓቢሩ።

እታ ነፋሪት ካልኦት ትሽዓተ ሰባትን እውን ኣሳፊራ ምንባራ ተፈሊጡ።

ዋንነታ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ማላዊ ዝኾነት ነፋሪት ሰኑይ ንግሆ ካብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ምስ ተበገሰት “ካብ ራዳር” ከምዝወጸት እቲ መግለፂ ኣመላኺቱ።

ሰበስልጣን ኣቬሽን ማላዊ ምስታ ነፋሪት ክራኸቡ ኣይካኣሉን።

ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ላዛሩስ ቻክዌራ ስራሕቲ ምድላይን ምድሓንን ክካየድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

ወዲ 51 ዓመት ምክትል ፕረዝደንት ሳሎስ ቺልማ ቕድሚ 4 ዓመት ኣብዚ ወርሒ ነይሩ ምክትል ፕረዝደንት ደቡብ ምብራቓዊ ኣፍሪካዊት ሃገር ኮይኖም ከምዝተሾሙ ይዝከር።

ኣብ 2022 ሳሎስ ቺልማ ብሙሱና ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ ቤትፍርዲ ማላዊ ክሶም ካብ ዝዓፅዮ ገና ሓደ ወርሑ እዩ::

ከም ፀብፃም ቢቢስን ብሉምበርግን::