መቐለ፥ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
እዚ ዝተገለፀ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ዘይሕጋዊ ስደት፣ ሳዕቤናቶምን መፍትሒታቶምን ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ምኽክር እዩ። ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ኣይተ ሓይሽ ስባጋዲስ ህልውና ትግራይ ዘድሐኑ መናእሰይ ዘድሕኖም ስኢኖም ብዘይሕጋዊ ስደት ሂወቶም ይስእኑ ከምዘለዉ ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ጥራሕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስደት ካብ ዘምርሑ ልዕሊ 6 ሽሕ መናእሰይ እቶም 294 ሂወቶም ከምዝሓለፈ ተዛሪቦም። ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሊብያን ስዑዲ ዓረብያን ዝኸዱ ኣብ ትሕቲ ደላሎ ወዲቖም ክሳብ 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ክኸፍሉ ይግደዱ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
እዙይ ድማ ትግራይ ዋና ዘይብላ ክትተርፍ ይገብር ከምዘሎ ገሊፆም። ስለዝኾነ መንእሰይ ይስደድ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መፍትሒ ትኹረት ዝገበረ ስራሕ ከምዝስራሕ ኣረዲኦም። እዙይ ፍታሕ ክረክብ እውን መንግስቲ ንመናእሰይ እኹል ደገፍ ክገብርን ናይ ደለልቲ ሰንሰለት ንምብታኽን ብፍሉይ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።
ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ትግራይ ዶክተር ገብረሂወት ዓገባ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ኣብ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም መፍትሒ ዘይረኸበ ሽግር እዩ ኢሎም። ስለዝኾነ ዘይስሩዕ ፍልሰት መናእሰይ ንምፍታሕ ግንዛበ ምፍጣር ኣድላዪ ምዃኑ ሓቢሮም። እዙይ ድማ ዝስደድ መንእሰይ ውሕስ ብዝኾነ መንገዲ ዝወፀሉን ኣብ ዓዱ ድማ ሰሪሑ ተረባሒ ዝኾነሉን ፖሊሲ ምሕንፃፅ ከምዘድሊ ገሊፆም።
ኣብ ትካል ሕቡራት ሃገራት ንፆታዊ ማዕርነትን ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ተወካሊ ኣይተ ፀሃየ ወልደጀወርግስ ብሃገር ደረጃ ካብ ጠቕላላ ዝስደዱ መናእሰይ 46 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ሓቢሮም። ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስደት ዘቕንዓ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣካላውን ፆታውን ጥቕዓት ከምዝበፀሐን ገሊፆም።