Home ማሕበራዊ ምዕባይ ባህሊ ምትሕግጋዝ

ምዕባይ ባህሊ ምትሕግጋዝ

212
0

ምዕባይ ባህሊ ምትሕግጋዝማሕበር ኣባ ሰላማ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብታ ከተማ ንዘለው ዝተፀገሙ ወገናትን ተመዛበለቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝፀንሑን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ዘሎ ፀገም ይጋደድ ብምህላው ነዚ ሰናይ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ንምቅፃል ሓገዝትን ተሓገዝትን ዘራኸበ መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም:: ማሕበር ኣባ ሰላማ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመስረተት ኮይና ኣብ ዝተፈላለዩ ምግባረ ሰናይ ስራሕቲ እትነጥፍ ማሕበር እያ::

ነዚ ኣጠናኪራ ንምቅፃል ድማ ምስ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ወሃብቲ ወገናትን ተሓገዝትን ንቀፃሊ ዕማማት ሓገዝ ዘኽእልዋ መድረኽ ዘተ ኣካይዳ::ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣይተ ዮሃንስ ገ/ኣምላኽን ተሳተፍቲ እቲ መድረኽን እታ ማሕበር ንዝተፀገሙ ነበርትን ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናበርከተት ምፅንሓ ብምዝኽኻር ሰናይ ተግባር እዛ ማሕበር ምሰቲ ዘሎ ኽባን ዕፅዋን ኣሰር እዛ ማሕበር ተኸቲለን ካልኦት ንክስዕባን ባዕልና ንባዕልና ክንተሓጋገዝ ከምዝግባእን ሓቢሮም::ኣመራርሓ እታ ማሕበር ብግድኦም ዝገብርዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቅፅልሉን ካልኦት እውን ኣሰሮም ክስዕቡን ሚዒዶም::

ከም ፀብፃብ ረዳኢ ገ/ኪዳን

Previous articleጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብጉጅለ ኣብይ
Next articleደረት ኣልቦ ግፍዒ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ