ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ምስ ልምዓት ተራድኦ መንግስቲ እንግሊዝን ዩኒሴፍን ብምትሕብባር ብልዕሊ 13 ሚልዮን ብር በጀት ዝሃነፆ ፀሓያዊ ፕሮጀክት መስተ ማይ ራያ ጨርጨር ኢርባ ዓዲ-መኾኒ ኣገልግሎት ጀሚሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪ ዩኒሴፍ ዋሽ ሚስተር ቪክቶር ትካሎም ፀገም ቀረብ መስተ ማይ ሕ/ሰብ ንምፍታሕ ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ሓቢሮም።



በቲ ፕሮጀክት ኣስታት 10 ሽሕ ነበርቲ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ድማ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ቀረብ መስተ ማይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ታጠረ ሓዱሽ ሓቢሮም።
ነበርቲ ጣብያታት ሓደ ኣልጋን ኢርባን ኣብ ቀረብኦም ተጠቀምቲ ፅሩይ መስተ ማይ ክኾኑ ብምኽኣሎም ከም ዘሐጎም ተዛሪቦም።
#ብሃፍቶም_ ረዳ