Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምጅማር ግልጋሎት መስተ ማይ

ምጅማር ግልጋሎት መስተ ማይ

292

ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ምስ ልምዓት ተራድኦ መንግስቲ እንግሊዝን ዩኒሴፍን ብምትሕብባር ብልዕሊ 13 ሚልዮን ብር በጀት ዝሃነፆ ፀሓያዊ ፕሮጀክት መስተ ማይ ራያ ጨርጨር ኢርባ ዓዲ-መኾኒ ኣገልግሎት ጀሚሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣተሓባባሪ ዩኒሴፍ ዋሽ ሚስተር ቪክቶር ትካሎም ፀገም ቀረብ መስተ ማይ ሕ/ሰብ ንምፍታሕ ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ሓቢሮም።

በቲ ፕሮጀክት ኣስታት 10 ሽሕ ነበርቲ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ድማ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ቀረብ መስተ ማይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኣይተ ታጠረ ሓዱሽ ሓቢሮም።

ነበርቲ ጣብያታት ሓደ ኣልጋን ኢርባን ኣብ ቀረብኦም ተጠቀምቲ ፅሩይ መስተ ማይ ክኾኑ ብምኽኣሎም ከም ዘሐጎም ተዛሪቦም።

#ብሃፍቶም_ ረዳ