Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ምጅማር ፕሮጀክት ውሕስና ምግቢን ሓለዋ ህፃናትን ክንክንን ዕላዊ ዝገብር መድረኽ ኣብ ከተማ...

ምጅማር ፕሮጀክት ውሕስና ምግቢን ሓለዋ ህፃናትን ክንክንን ዕላዊ ዝገብር መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

186

መቐለ፥ 12 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

“ውሕስና ምግቢን ሓለዋ ህፃናትን ክንክንን ኣብ እዋን ሓደጋ” ዝተብሃለ ፕሮጀክት ዕላዊ ስርሑ ዝጅምረሉ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

እዚ ፕሮጀክት እዚ፣ “ቻይልድ ፈንድ ኢትዮጵያ” ምስ መድረግቲ ኣካላት ዘዳለዎ ኾይኑ፣ ኣብ ከተማታት ውቕሮን ዓዲ ግራትን ዝርከቡ ተመዛበልቲን ካልኦት ፅጉማትን ትዅረት ገይሩ ዝሰርሕን ንኽልተ ዓመታት ዝፀንሕን ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር “ቻይልድ ፈንድ” ኢትዮጵያ ሊሊ ኦሞንዲ ትካለን ኣብ ዙርያ ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ሓለዋን ክንክንን ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ጠሚቶም ምስ ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ሓቢሩ ከም ዝሰርሕን መንግስቲ ጀርመን ምንጪ እቲ ሓገዝ ከም ዝኾነን ብምሕባር እቲ ሕዚ ኣብ ከተማታት ዓዲ ግራትን ውቕሮን ዝጅምር ፕሮጀክት ድማ መቐፀልታ እዙይ ምዃኑ ሓቢረን።

“ቻይልድ ፈንድ” ኢትዮጵያ ብዋናነት ኣብ ከቢድ ፀገም ዘለዉ ተፈናቐልቲ ህፃናትን ወለዶምን ጕዱኣት ኣካልን ንምሕጋዝ ዝዓለመ ፕሮጀክት ከም ዝኾነ ላዕለዋይ መተሓባበሪ ፕሮግራም “ቻይልድ ፈንድ” ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ኣይተ መብራህቱ ኣባዲ ተዛሪቦም።

እቲ ሓገዝ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝወሃብን ከከም ኣድላይነቱ ብጥረ ገንዘብን ብዓይነትን ዝግበር ኾይኑ ልዕሊ ሸሞንተ ሽሕ ወገናት ዝሓቍፍ ከም ዝኾነ ድማ ወሲኾም ገሊፆም።

ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ክሳዕ ሕዚ ናብ መረበቶም ዘይተመለሱ ተመዛበልቲ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ዝገለፃ ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረባ ወ/ሮ ብርነሽ ኣፅብሃ፣ እዚ ፕሮጀክት ኣብዚ መዳይ ዘሎ ፀገም ብዝተወሰነ መልክዑ ንምቅላል ተሓሲቡ ከም ዝተጀመረ ተዛሪበን።

ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢን ዘይምቹው ከባቢን ብዙሓት ህፃናት ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡን እዚ ፕሮጀክት ዝተበገሰሉ ዕላማ ንከሳኽዕ ዝተዋደደ ምትሕብባር ዝተፈላለዩ መሻርኽቲን መድረግቲን ኣካላት ከም ዘድሊን ሓቢረን።

“ቻይልድ ፈንድ” ኢትዮጵያ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ዂናት፣ ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምፅጋንን ስነ ልቡናዊ ሕውየት መሰረት ዝገበሩ ስልጠናታት ኣብ ምሃብን እናነጠፈ ከም ዝመፅአ ላዕለዋይ መተሓባበሪ ፕሮግራም “ቻይልድ ፈንድ” ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ኣይተ መብራህቱ ኣባዲ ተዛሪቦም።

ቶማስ_ሓዱሽ