መቐለ፥ 4 ጳጕሜን 2016 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ) _ ኣብዚ ሕዚ ጊዜ ምግባር ሰልፊ ድጋፍ ይኹን ተቃውሞ ፀገም ፀጥታ ስለ ዝፈጥርን ካብ ጥቅሙ ሓደግኡ ስለ ዘምዝን ክግበር ከምዘየብሉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ነዙይ ዝበሉ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ሰልፊ ተቃውሞ ይኹን ድጋፍን ከይግበር ኣፍሊጥና ኢና ዝበሉ እቶም ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣኬባ ምግባር ይከኣል እዩ ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ኢሎም።
ሰልፊ ድጋፍ ይኹን ተቃውሞ ምግባር ግና ፀገም ፀጥታ ስለ ዝፈጥር ክልክል እዩ ኢሎም። ካብ ጥቅሙ ሓደግኡ ከምዘመዝን ድማ ሓቢሮም።
እቲ ፀገም ፖለቲካዊ እዩ ብፓለቲካ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ምፅልላም ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት እውን ካብዚ ተግባር ክቁጠቡ ሚዒዶም።
ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝግበሩ ዘለው ምዕራይ፣ ምቅያር፣ ምውራድን ምድያብን ሽመት ደው ክብሉ ኢና ንሓትት ዝበሉ እቶም ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ከተማታት ይኹን ኣብ ገጠር ኣብያተ ምኽሪ ዝግበር ዘሎ ምደባታት ምቅያር ኩሉ ደው ክብል ኣለዎ።
ጉባኤ ኣካይደ ዝብል ሓይሊ እውን ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት እቲ ዘካየዶ ጉባኤ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ምትዕርርራይ ክገብር ኢሉ ዝሓስቦ እውን ደው ከብል ከምዘለዎ ገሊፆም።
እዙይ ንብል ዘለና እቲ ፖለቲካዊ ኩነታት ናብ ዝከፍአ ኩነታት ይሰግር ስለዘሎ እዩ። ስኽን ክብል ኣለዎ ድማ ኢሎም።
ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ እቲ ፀገም ልዕሊ ዓቕሚ ተጋሩ ኣይኮነን፤ በዙይ እንተቀፂሉ ግና ካብ ኢድ ተጋሩ ወፂኡ ሳልሳይ ወገን ዝኣትወሉ መንገዲ ዝኸፍት እዩ ዝበሉ ኮይኖም ስለዚ ኩሎም ኣካላት ደው ኢሎም መፍትሒታት ከምፅኡ ኣለዎም።
እቲ ዘሎ ምክራር ክሃድእ እምበር ናይ ምሽምጋል ተግባር ኣይኮናን ንሰርሕ ዘለና እውን ኢሎም።
እቶም ምክትል ፕረዚደንት እቲ ሕዚ ዝግበር ዘሎ ኩሉ ነገር ሃደሽ ደሽ ዘብልን ኣብ መንጎ ተጋሩ ኣፈላላይ ዝፈጥር ምኻኑን ድማ ኣብሪሆም።
ሰልፍታት ደው ምባል ንነዊሕ ጊዜ ዝፀንሕ ኣይኮነን፤ መንግስቲ ስርሑ ከይሰርሕ ወይ ውድብ ምንቅስቃስ ከይገብር ኣይኮነን ብዝተወሰነ ስኽነት ክህሉ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ፕረዚደንት ሓይልታት ፀጥታ ኣብዙይ ብምድጋፍ ይኹን ብምቅዋም ተዋሳእቲ ክኾኑ የብሎምን።
ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃስ ብሕጊ ዝግዛእ ክኸውን ኣለዎ።መላእ ህዝቢ ትግራይ ድማ እዙይ ተረዲኡ ሓጋዛይ ክኾውን ፀዊዖም።
ራያ ይኹን ምዕራብ ትግራይ ላዕላዊ ግዝኣት ትግራይ ብምዃኑ እዙይ ክምለስ ኣለዎ ዝበሉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ከይምለሱ ዝተፈላለዩ ዓንቀፍቀፋት ኣለዉ እዮም።
እዙይ ክስተኻኸል ክኽእል ኣለዎ።ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ንዘሎ ንመላእ ህዝቢ ትግራይን ንኣባላት ሓይሊ ፀጥታን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2017 ዓ/ም ብሰላም ኣብፀሐኩም ዝብል መልእክቲ እውን ኣመሓላሊፎም።