—–
ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ኣካል ህልውንኡ ከረጋግፀሉ ከይተፀበየን ከይለመነን፣ ሰላም መትከሉ ገይሩ ሳላ ዝተቃለሰን ኣብ ቅድሚ ዓለም ቀሪቡ እቲ ዝብህጎ ሰላም ብልዝብ ክዓትሮ ይሰርሕ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ መኣዲ ሰላም ብሓባር ክቋደሶ ይግባእ ይብሉ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓዲግራት ቆሞስ ልደታ ማርያም መቐለ ኣባ ጥዑም በርሀ። እቶም ክላሽ ተሓንጊጦም ዝቃለሱ ዘለዉ፣ እቶም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ዘለዉ ኮነ ናብዚ ንኽንበፅሕ ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ ኩሎም ኣካል ህዝቢ እዮም ዝበሉ ኣባ ጥዑም፣ እቲ መኸተ ህዝባዊ ክምዝገበርናዮ እዚ መስርሕ ሰላም እውን ናይ ህዝቢ ክንገብሮ ይግባእ ኢሎም።
ቀንዲ ዋሕስ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ስጡም ሓድነት እዩ ዝበሉ ኣባ ጥዑም፣ ኣፈላላይ ሓሳባት ከምፀጋ ብምቑፃር ሕዚ እዉን እቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝተርኣየ ሓድነት ህዝቢ ብዝበለፀ መልክዑ ክቕፅል ተላብዮም።
ሰላም ዘልኣለማዊ ባህጊ ህዝቢ ትግራይ እዩ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ትግራይ ዘድልያ ፍትሓዊ ሰላም እዩ ድማ ይብሉ እዞም መራሒ ሃይማኖት ኣቦ። ሰላም ማለት ድምፂ ጥይት ዘይምስማዕ ወይ ውግእ ዘይምህላው ጥራሕ ዘይኮነስ ፍትሕን ርትዕን ምስፋን ማለት እዩ ዝበሉ ኣባ ጥዑም፣ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ሰላም ንቐፃሊ ትውልድታት ትግራይ ውሑስ ብዝገብር መልክዑ ክኸዉን እንተኾይኑ ትግራይ ፍትሓዊ ሰላም ክትረክብ ይግብኣ በሃላይ እዮም። እዚ ንምስኻዕ ድማ ናይ ኩሉ ትግራዋይ ሓድነትን ቃልስን ከምዝጠልብ እዮም ዝሕብሩ።
ህዝቢ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ብሃንቀውታ ክፅበዮ ዝፀንሐ ልዝብ ሰላም ፍረ ከፍርን ዘላቕነት ክህልዎን እንተኾይኑ ፈለማ ህዝቢ ትግራይ ሃለዋቱ ከውሕስ ይግባእ ዝበሉ ኣባ ጥዑም ነዚ ድማ ዓለም እተቕርቦ ዘላ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣቱ፣ ዝጠመየ ክዕንገል፣ ዝሓመመ ክሕከምን ዝዓረቐ ክኽደንን ይግባእ፣ እዚ ድማ ብቐሊሉ ጎና ጎኒ እቲ ልዝብ ክትግብር ዝኽእል ብምዃኑ መላዘብቲ ኣካላትን መንግስቲ ኢ/ያን ንተግባራውነቱ ክተግሁ ተላብዮም።
#ብተስፋዝጊ ዓስበይ