Home ዜና “ሰራዊትን መራሕትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ካብ ተሓታትነት ኣየምልጡን” ዋና ኣዛዚ ሰራዊት...

“ሰራዊትን መራሕትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ካብ ተሓታትነት ኣየምልጡን” ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ

1331

——-

ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ሰራዊት ኢሳያስ ምስ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብምልፋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ይቅረ ዘይብሎ ግፍዒ ፈፂሙን  ሕዚ እውን ኣብ ዝተቆፃፀረሎም ከባቢታት ትግራይ ግፍዒ ይፍፅም ምህላው ዋና ኣዛዚ ሰራዊት #ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ገሊፁ፡፡ እዚ ተግባር ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ህዝብን ባህልን ኤርትራ ዘየለ ተግባር እዩ ኢሉ፡፡

ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝፈፀሞ በደል ህዝቢ ትግራይ ንዘንተ ኣለም ኣይርስዖን ዝበለ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ እዞም ኢዶም ብደም ዝጠልቀየ ሰራዊትን መራሕትን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ካብ ተሓታትነት ኣየምልጡን ኢሉ፡፡

እቲ ትማሊ GAME OVER ብዝብል ስያመ ህዝቢ ትግራይ ንምብራስ ተበጊሱ ዓለም ዘይትርስዖ ግፍዒ ዝፈፀመ ኣራዊት ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሕዚ ድማ ጩጉራፍስያ ባዕላ ወቂዓ ባዕላ ተእዊ ከምዝባሃል ሕዚ ድማ ነቶም ቀቲልናዮም በቲናዮም ዝበሎም ሐዚ ድማ ተመሊሱ ክወርኒ እዮም እናበለ የእዊ ኣሎ፡፡

ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ሓው ህዝቢ ትግራይ እምበር ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ዝበለ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ወያነ ክወርኻ እዮም ዝብል ፕሮፓጋንዳ ሓሶት ምዃኑ ህዝቢ #ኤርትራ ክርድኦ ይግባእ ኢሉ፡፡

ብክብሮም ተስፋይ