Home ቢዝነስ ሳፋሪ ኮም ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪቱ።

ሳፋሪ ኮም ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ኣበርኪቱ።

164

መቐለ፥ 03 መስከረም (ቴሌቪዥን ትግራይ) – ሳፋሪ ኮም ኢትዮጵያ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ኣብ ትግራይ ንሓሙሽተ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ን500 ተምሃሮ ልዕሊ 500 ደርዘን ደፍተርን ቢሮን ንቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣብ ሳፋሪ ኮም ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ሓላፊ ጕዳያት ወፃኢ ኣይተ መሓሪ ገ/ስላሰ ኣብ ዝሓለፈ ን16 ኣብያተ ትምህርቲ ላቶፕን ነፃ ዋይፋይን ሂብና ኢና ሐዚ ድማ 500 ደርዘን ደፍተርን 700 እስክርቢቶን ኣብ ዝተመረፃ ኣብያተ ትምህርቲ ማለት እውን ቤት ትምርቲ ዓይበቶ – ሕንጣሎ፣ ቤት ትምህርቲ ኪሮስ ገሰሰ – ኲሓ፣ ቤት ትምርቲ ወዲ ሽረ – ስላዋ፣ ቤት ትምህርቲ ቅሳነት – ሓድነትን ቤት ትምህርቲ በዓቲ – ከተማ ዓዲ ግራትን ከም ዘካትት ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ንሕድሕደን ኣብያተ ትምህርቲ 100 ዝተፀገሙ ተምሃሮ ከም ዝኾነን ተወከልቲ እተን ኣብያተ ትምህርቲ እውን ዝተገበረሎም ሓገዝ ብምምስጋን ቀፃልነት ክህልዎ ተላብዮም።

ነዚ ሓገዝ ዝተረከቡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን ናብ ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ሓገዙ ክቕፅለሉ ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

#ጥዑማይ_ገዛኢ