መቐለ፥ 28 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ስራሕቲ ፀጥታ ከተማ መቐለ ካብ ዝሓለፈ ጊዜ ዝሓሸ እኳ እንተኾነ ጕዳይ ፀጥታ፣ ጕዳይ ሕብረተ ሰብ ክኸውን ኣብ ምግባርን ዘመን ዝጠልቦም መሳርሒታት ፀጥታ ኣብ ምምላእን ግን ክፍተታት ከም ዘለዉ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ገሊፆም።
እቶም ከንቲባ ነዚ ዝበሉ ራብዓይ ዘመን ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ መበል 34 ስሩዕ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ መቐለ የሳልጠሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ተረኺቦም ፀብፃቦም ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን እዩ።
ንብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት፥ ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ከም ዝተተገበረን ኣብ ስራሕቲ መንገዲ ኣስፋልት ከተማ መቐለ ፅቡቕ ሰለጤን ከም ዝነበረን ዝሓበሩ እቶም ከንቲባ፣ ዝነበረ ጥንኩር ጎድኒ ብምዕቃብ ዘይተፈትሑ ፀገማት ንምፍታሕ ኣጠንኪሮም ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ስራሕቲ ፀጥታ፣ ፈጠራ ስራሕ ዕድል፣ ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲን ኣብ 2017 ዓ.ም ፍሉይ ትዅረት ካብ ዝወሃቦም ኣንፈታት እዮም ድማ ኢሎም።
ፀብፃብ ኣፈፃፅማ 2016 ዓ.ም ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለን ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ መቐለን ኣብቲ መድረኽ ዝቐረቡ እንትኾኑ ምፅዳቕ በጀትን ሽመት ኣመራርሓን ኣካል እቲ መድረኽ ከም ዝኾኑ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ወ/ሮ ራሕማ ዓ/ቃድር ገሊፀን።
ኣብ 2016 ዓ.ም ክስርሑ ዝተትሓዙ መደባት ብምሉእነት ዘይምስራሕ ከም ዝነበረን ከም ቤት ምኽሪ ዝተውሃበካ ውክልና ህዝቢ፣ ክብደት ሂብካ ኣብ ከተማ መቐለ ዝረአዩ ዘለዉ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ክስራሕ ከም ዘለዎን እተን ኣፈ ጉባኤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት 2016 ዓ.ም ቤት ምኽሪ ከተማ ኣብ ዘቕረባሉ ሓቢረን።