Home ስፖርት ሶፍትዌር ሜንዞ ከም ሚዛን ንዝበላ ብዙሕ ገንዘብ ዘንቀሳቕ ማሕበራት ዘበናውን ውሑስ ኣተሓሕዛ...

ሶፍትዌር ሜንዞ ከም ሚዛን ንዝበላ ብዙሕ ገንዘብ ዘንቀሳቕ ማሕበራት ዘበናውን ውሑስ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ንክኽተላ ጠቓሚ እዩ፦ ባንኪ ወጋገን

252

መቐለ፣12 መስከረም 2017 ዓ/ም(ቴለቨዥን ትግራይ)

ባንኪ ወጋገን ምስ ኣለና ቴክ ብምትሕብባር ዘማዕበሎ ሜንዞ ዝተብሃለ ሶፍትዌር ኮርባንኪንግ ሚዛን ዕቋርን ልቓሕን ውን ንክትጥቀመሉ ሰነድ ሰምምዕነት ተፈራሪሞም።

ሓላፊ ባንኪ ወጋገን ዲስትሪክት ሰሜን ኣይተ ሃፍቶም ገ/ሄር እቲ ሶፍትዌር ከም ሚዛን ንዝበላ ብዙሕ ገንዘብ ዘንቀሳቕ ማሕበራት ዘበናውን ውሑስ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ንክኽተላ ጠቓሚ እዩ ኢሎም።

እቲ ባንኪ ምስ ሚዛን ዕቋርን ልቓሕን ብምትሕብባር ዝጀመሮም ስራሕቲ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፆም።

ኣካቢ ቦርድ ሚዛን ዕቋርን ልቓሕን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣይተ ሰለሙን ኣማረ እቲ ሶፍትዌር ንምጥቃም ብዙሓት ትካላት ከም ዘወዳደሩ ብምግላፅ እቲ ብባንኪ ወጋገን ዝቐረበ ዝሐሸ ኮይኑ ሰለ ዝተረኸበ እዩ ተመሪፁ ኢሎም ።

እታ ማሕበር ብናይ ባዕላ ኣባላት ብዝማዕበለ ሶፍትዌር እናተጠቐመት ምፅንሓ ዝገለፁ ኣይተ ሰለሙን ምስ ምውሳኽ በዝሒ ኣባላትን እተንቀሳቕሶ ገንዘብን ተኣሳሲሩ ሶፍትዌር ኮር ባንኪንግ ምጥቃም ወሳኒ እዩ ኢሎም ።

#ብኪሮስ_መሓሪ