Home ዜና 1ይ ወራር ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ ትግራይ)

1ይ ወራር ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ ትግራይ)

1657

ብሽም ምምላስ ሰላምናዊ ሰርወ መንግስቲ ሽርሒን ተንኮልን ሸዋውያን ተጠቒሙ ብ1262 ዓ/ም ስልጣን ዝጨበጠ ይኩኖ ኣምላኽ ብሓገዝን ኣብ ገዳም ሃይቂ እስጢፋኖስ ዝፀንሑ ኣባ እየሱስ ሞኣን ኣባ ተክለሃይማኖትን ዝተብሃሉ ፈለስቲ እዩ፡፡ እዞም ዓለማዊ ሂወት ገዲፎም መንፈሳዊ ህይወት ንምስጓም ኣብ ገዳም ኣቲና ክብሉ ዝፀንሑ መነኮሳት፤ ካብቲ ንፈጣሪኦም ዝኣተዉዎ ቃል ብምውፃእ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ወታደራዊን ምጭብርባር ታሪኽን ተደሪኾም፤ ሽርሕን ተንኮልን ወሲኾም ይኩኖኣምላክ ምንጋስ ክኢሎም፡፡ እዞም ፈለስቲ ኣብ ትግራይ ሱር ሰዲዱ ዝፀንሐ እምነትን ስነ መለኮትን ብምሽርሻር ንነዊሕ እዋን ኣማዕቢልዎ ዝፀንሐ ሃይማኖታዊ ፅንዓት ብምብራዝ ነቲ ካብ ትግራይ ልዑል ሃይማኖታዊ ድጋፍ ዝነበሮ ንግስነት ኣገው ኩሽቲክ ዝብል ስም ብምልጣፍ ስልጣን ከምዘይግበኦ  ኣብ ነበረያ ነበረ ዝተደረኸ ታሪኽ ብምፅሓፍ ካብ ትግራይ ምንም ዓይነት ሓገዝ ከይረክብ ገቢረምዎ፡፡

ስርወ ንግስነት ዛጉዌ ኣብ ላሊበላን ከባቢኣን ካብ ዝሃነፆም ገዳማትን ኣኹሱማዊ ኪነ-ጥበባትን ብተወሳኺ ኣብ ታሪኽ ኣቢሲንያ ሰላማዊ ዝኾነ መሪሕነት የካይድ ምንባሩ ኣብ ታሪኽ ስርወ-ንግስነት ዛጉዌ ተሰኒዱ እዩ፡፡ በቲ እዋን ኣብ ዙርያ ሜዲተራኒያንን ቀይሕባሕሪን ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ሃይማኖት እስልምና ፅልዋ ከየሕደረሉ ልክዕ ከም ነገስታት ኣኹሱም ሰላማዊ ርክብ ፈጢሩ ይጓዓዝ ኔሩ፡፡ እስራኤል ከም ሃገር ካብ ካርታ ጠፊኣ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከይተረፈ፤ ምስ ንግስነት ፍሊስጢኤም ብምርድዳእ እዞም ክሳብ ሕዚ ብኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ዝመሓደሩ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ገዳማት ብሽም ኦርቶዶኩስ ሓበሻ ክህነፁ፤ ብተመሳሳሊ ድማ ካብ 7 ክፍለዘመን ጀሚሩ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ክስፋሕፋሕ ዝፀንሐ ሃይማኖት እስልምና ብዘይ ምንም ተፃብኦ ሃይማኖታዊ ልኡኹ ብነፃነት ክፍም ሙሉእ መሰል ሂቦም፡፡

ካብ መሰረቶም ኣብ ተንኮልን ምስፍሕፋሕን ዝተደረኸ ሸውሃት ዘለዎም ብምዃኑ በትረ ስልጣን ንግስነት ካብ ምጭባጥ ወፀኢ ካሊእ ሕልሚ ኣይነበሮምን፡፡ ብምዃኑ ድማ ንግስታት ዛጉዌ ብደረጃ ዓለም ዝነበሮ ዝናን ብምኽሓድ ኣብ ሓሶት ዝምዘዝ ሓቲት ክነዝሑ ጀሚሮም፡፡ ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበረ ምዕባለ ሕብረተሰብ ብምትሕሓዝ፤ መሰረት ፍልስፍናን መሪሕነትን ዝነበረ ትግራይ ካብ ንግስታት ኣገው ፈሊዮም ንምውቃዕ ተጠቒመምሉ፡፡ ስነልቦና ትግራይ ክልወጠሉ ዝኽአል ብሕታዊ ተግባር እውን ሃይማኖት መሰረት ዝገበረ ምንቅስቓስ እዮም ተኸቲሎም፡፡ ክርስትና ናብ ኣኹሱም ቅድሚ ምእታው ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ብኣተሓሳስቦኦም ሒዘምዎ ዝመፁ ማሕበረ ቁጠባዊን ፖለቲካውን መስርሕ ምስቲ ዝመፀ ሃይማኖት ኣዛሚዱ ክትግብሮም ፀኒሑ፡፡ ኦርቶዶክስ ከም ሃይማኖት እንትመፅእ ይኹን እስልምና እንትስዕብ ኣብ ኣብ ሓድነትን ማሕበረ-ቁጠባዊ ርክብን ዝፈጠረሉ ፍልልይ ኣይነበረን፡፡ ተጋሩ ክሳብ ምምፃእ ሽዋዊ ንግስነት እውን ዝሓሸ ስነ ልቦናዊ ልዕልነት ሃኒፆም ዝነብርሉ ታሪኽ ንዕዘብ፡፡

ንግስነት ይኩኖ ኣምላክ ብመነኮሳት ሃይቂ (እየሱስ ሞኣን ተክለሃይማኖትን) እናተመርሐ መንግስታዊ ስልጣን ዛጉዌ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዘሕደገሉ እዋን ከይተረፈ፤ ኣተሓሳስባን ልዕልነት ስነ መለኮትን ብኣኹሱማዊያን ዝተነደቐ ምንባሩ ይዝከር፡፡ እዙይ ከይፈረሰ ድማ ንነዊሕ እዋን ንግስነት ሽዋ ተረጋጊኡ ከሰጉም ከምዘይኽእል ተረዲኡ፡፡ ምኽንያቱ መንግስታዊ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ንግስነት ዛጉዌ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፤ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊን ፅልዋ ንግስነት ኣኹሱም ተጠናኺሩ ብምቕፃሉ፤ ወሰንቲ ኣብ ዝበሃሉ ጉዳያት ከይተረፈ ልዑል ተሳትፎ ነይርዎም፡፡ ንግስነት ይኩኖኣምላክ ስዒቡ ተጋሩ ኣብ መንግስታዊን ሃይማኖታዊን ጉዳያት ዝነበሮም ተሳትፎ ካብ ምቕናስ ክሳብ ጠቅሊሉ ምቁራፅ በፂሑ፡፡ ኣብቲ መሰረት ፍልሰፈናን ልዕልነት ኣተሓሳስባን ኮይኑ ክምርሕሉ ዝፀንሐ ከባቢታት ትግራይ፣ ምድሪባሕሪን፣ ጎንደርን ግና ስርዓት ኣወዳድባ ሃይማኖት፣ ርከብ ማሕበረሰብ፣ ዓለምለኻዊ ንግድን ዲፕሎማስን ቀላሳይነት ህዝቢ ትግራይ ቀፂሉ ኔሩ፡፡

መንግስታዊ ስልጣን ተረኪቡ ክንሱ ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ሓድነትን ቀላሳይነትን ትግራይ  ሕማም ርእሲ ዝኾኖ ይኩኖኣምላክ ኮይኑ ቀፂሉ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ማሕበራዊ ርከብ ትግራይ ፈሪሱ ብልዕልነት ሽዋዊ ኣተሓሳስባን  ስነ መለኮትን ንምትካእ ከበድቲ ፃዕርታት ክገብር ጀሚሩ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተነዲቑ ዝቐፀለ ማሕበራዊ ዝምድና፣ ስነ መሎኮትን ኣተሓሳስባን ከይፈረሰ ድሌት ሽዋዊያን ኣብ መወዳእታ ከም ዘይበፅሕ ተረዲኡ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ መነኮሳት ቤተ-ኣማራ (ኤረር) ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ኣእቲዮም ድሌታቶም ዝፍፅምሉ መስርሕ ንምትእትታው ልዑል ፃዕሪ ጀሚሮም፡፡ ፃዕሮም ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ድማ ኣብቲ እዋን ቀንዲ መራኸቢ ገመድ ኣብ ዝነበረ ሃይማኖት ብምትኳር ኣብ ምብትታን ማሕበራዊን ስነ ልቦናዊ ኣተሓሳስባን ህዝቢ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ውዲት ክፍሕሱ ጀሚሮም፡፡

በትረ ስልጣን ሽዋዊያን ንምድልዳል ኣብ ውሽጢ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ልዑል ፍልልይ ክህሉ ብምግባር መነኮሳት ካብቲ ንፈጣሪኦም ዝኣተውዎ መፅበዓ ወፂዮም ኣብ ዓለማዊ ንሕንሕ ኣእቲዮምዎም፡፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ንዘመናት ተነዲቑ ዝፀንሐ ስርዓተ ኣምልኾ (ዶግማ) ኦርቶዶክስ ብቀኖናዊ ኣተሓሳስባ ሽዋዊያን ንምልዋጥ ኣባ ኢየሱስ ሞኣ /1211-1292/ ሃይቂ፣ ኣባ ተኸለሃይማኖት /1215-1313/ ደብረሊባኖስ ዝምራሕ ቤተ ኣማራዊ ፍልስፍና እናጎልሀ መፅዩ፡፡ እዙይ ኣብ መወዳእታ ንምብፃሕ ድማ እቲ ብተንኮልን ፖለቲካዊ ሽርሒን ዝፍለጥ ተምሃራይ ኣባ እየሱስ ሞኣ ዝነበረ ኣባ ተክለሃይማኖት /1215-1313/ ቀኖና ቤተክርስትያን ብዘይፈቕዶ ተንኮል ሽዋዊያን ፃድቕ ዝብል ሹመት ብምልጣፍ፤ ብስሙ ዝፍለጥ አቋቋም (ስርዓተ ዝማሬ) ሃንዲሶም፡፡ እየሱስ ሞኣ ድማ ኣብ ቤተመንግስቲ ይኩኖኣምላክ ወሳናይ ቦታ ብምሓዝ ዓቀቤ-ንዋይ ብዝብል ተሾይሙ፡፡

ተንኮልን ከይዲ ጉዕዞ መነኮሳት ሽዋን ብዝግባእ ዝተረደአ ኣባ እዎስጣጤዎስ /1273-1353/ ዓ.ም ኣብ ትግራይ ንልዕሊ 900 ዓመታት ክትግበር ዝፀንሐ ዶጉማን ቀኖናን ከይተለወጠ ፀኒዑ ንኽቕፅል ዝከኣለሉ ፃዕሪታት ምግባር ጀሚሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ መንጎ ታሪኽ ከዛብዑ ዝተልዓሉ ሽዋዊያንን ኣብ ፅኑዕ እምነቶም ደው ዝበሉ እዎስጣጤዎሳዊያንን ዓብይ ሃይማኖታዊ ንሕንሕ ተፈጢሩ፡፡ እቲ ፍልልይ ቀስ ብቐስ ካብ ሃይማታዊ ንሕንሕ ናብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ንሕንሕ ሰሜንን ደቡብን ክዓቢ ክኢሉ፡፡ 

ምንቅስቓስ ሰሜን ብወታደራዊን ማሕበረ ቁጠባዊ ምንቅስቓሱ ዝለዓለ ፀብለልትነት ሒዙ ዝፀንሐ ኮይኑ፣ ብእዎስጣጠዎሳዊያን ዝምራሕን ማእኸሉ ትግራይ ኮይኑ ካብ ምፅዋዕ  ክሳብ ጐጃምን ዳሞትን ማለት እውን ኤርትራ፤ ትግራይ፤ ጎንደር፤ ጎጃም ዝሓቖፈ፣ ኣብ መንጎ ማሕበረ ቁጠባ እቲ ሕብረተሰብ ልዑል ርከብ ዝነበሮ፣ ምስ ኣዕራብን ባሕረኛታት ኣውሮፓን ዝሓሸ ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ምትእስሳር ክገብር ዝፀንሐን እዩ፡፡

ብኣባ ተክለሃይማትን እየሱስ ሞኣን ዝምራሕ ደቡባዊ ኣተሓሳስባ ብግዲኡ ብሽም ሰሎሞናዊ ሰርወ ንግስነት ስልጣን ዝሓዘ እኳ እንተኾነ፤ ወዲ ሰላምን ዝነገሰሉን ንነዊሕ ዓመታት ብሽም ኣብነ ኣልሒኩም/ምንሊክ/ ልዑል ስራሕ ዝተሰረሐሉን ከባብታት ትግራይ ኤርትራን ዘይሕቆፍ፤ ካብ መጀመርያ እውን ኣብ ምንጭብርባር ዝተመስረተ ንግስነት ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ ብደረጃ ብቕዓት ምስ እንዕዘብ እውን መንግስታዊ ስልጣን ካብ ምሓዝ ዘሊሉ እዙይ ዝበሃል ፅዕንቶ ዘይነበሮን መንበረ ንግስነት እኳ ብዝግባእ ዘይሃነፀን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡

ኣብ ዘበነ ንግስና ይኩኖኣምላክ ብክልቲኦም ፈለስቲ (ተክለሃይማኖትን እየሱስ ሞኣን) ዝተጀመረ ፕሮጀክት ኣተሓሳስባ ትግራይ ብምብራዝ መዋቅራዊ ለውጢ ምምፃእ ብምዃኑ፤ ካብ ዘመነ ንግስነት ይኩኖኣምላክ 1262 ዓ.ም ክሳብ ዘበነ ንግስነት ገላውዲዮስ 1527 ዓ.ም  ኣብ ዝነበሩ ልዕሊ 260 ዓመታት ኣተሓሳስባ ትግራይ ብምብራዝ ብቤተ-ኣማራዊ ነበረያነበረ ክልወጥ ልዑል ህልኽን ደምዘቃብእ ውግእን ክግበሩ ፀኒሖም እዮም፡፡

ኣተሓሳስባን ስነ ልቦናዊ ልዕልነት ትግራይን ከይብረዝ ፀኒዖም ክቃለሱ ዝፀንሑ ኣቦታትን ምሁራት ትግራይ፤ በብእዋኑ እናጎልሁ ዝመፁ ኮይኖም፤ ኩሎም ዘመሳስሎም ድማ  ኣብ ልዕሊ መንነቶም ዝመፁ ተፃብኦታት ዝተፈላለዩ ስልትታት ምሂዞም ዓርሶምን ህዝቦምን ከድሕኑ ክኢሎም፡፡ ብኣንፃሩ ነገስታት ቤተ-ኣማራ ኣተሓሳስባን ስነ-መለኮትን ትግራይ ለዊጡ በቲ ንሱ ዘምፀኦ ድቓላ መንነት ንምፅዓን ፈላማይ ወፍሪ ምጥፋእ ህዝቢ ዝኣወጀሉ እዋን ኔሩ፡፡

ምንቅስቓስ ደቂቀ እስጢፋኖስ፤ ድሕሪ ኣባ ኣዎስጣጢዎስ እቲ ዝዓበየ ምንስቃስ ተጋሩ ዝተርኣየሉ እዩ፡፡ ታሪኽ፣ ባህሊን መንነትን ትግራይ ከምኡ ድማ እምነትን ፍልስፍናን ትግራይ ዝለዓለ ብራኸ ሒዙ ክዓቢ ዝገበረ እዚ ምንቅስቃስ፤ መበቆሉን ዕቤቱን ሃይማኖታዊ ባህሪ ዝራኣየሉ እኳ እንተነበረ፤ መንነት ትግራይ ሓሊኻ ንምዝላቕ ዝተገበረ ቃልሲ ምኻኑ ከይዲ እቲ ቃለሲን ዘስዓቦ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ምርኣይ ይከኣል፡፡ 5 ዓበይቲ ጥራዛት (õፍልስፍና፣ ምርምር፣ ታሪኽ፣ ስነ-ጥበብን ሃይማኖታዊ ስነ-ሞጎትን) ብምሓዝ ዓለማዊን ሃይማኖታዊን መምርሒታት ዝሓዙ እዞም ጥራዛት፤ ህዝቢ ትግራይ ንወለዶታት ዝሓልፍ ተግባር ፈፂሞም፡፡

ግፍዓውያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘውረድዎ ዓፀባ ምስ እንዕዘብ አውን ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘመነ ውቤ፣ ምንሊክ፣ ሃይለስላሰን ከምኡ ድማ ፋሽሽታዊ ወራሪ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገበርዎ ከይዲ ምፅናት ህዝቢ ተመሳሳሊን ሓደ ዓይነትን ምንባሩ ብትእዛዝ ዘርኣያዎብ ኣብ ገፅ ተጋሩ ክሰፍር ዝተገበረ ምልክት ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል፡፡

ምንቅስቓስ ኣብ ስጢፋኖስ ዝቃላይ ኣብ ዘበነ ንግስነት ሃፀይ ይስሃቅ 1414-1429 ዓ.ም ጎሊሁ ዝወፀን ምሁራት ትግራይ ናብ መጋባእያ እቲ ንጉስ ቀሪቦም ኣብ ኣደባባይ ስዒሮም ዝተመለሰሉን ናይማን ልዕልነት ትግራይ ዝተረጋገፀሉን እዋን ምንባሩ ዶክተር ጌታቸው ሃይለ “በህግ ኣምላክ” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ኣስፊረምዎ ኣለዉ፡፡ እቶም ኣቦታት ሃይማኖታውን ስነ ልቦናዊ ልዕልነት ትግራይ ኣብ ቅድሚ እቶም ንግስነት ጨቢጦም ዝነበሩ መራሕቲ ሽዋ ልዑል ፀቕጢን ድንጋፀን ዝፈጠረ ኮይኑ ሓሊፉ፡፡

ስነ መለኮታውን ስነ ልቦናዊ ልዕልነት ሒዞም ዝተመለሱ ምሁራን ትግራይ ኣብ ልዕሊ ናይቲ ግዘ ባንዳታት፤ ብኣውርኡ ድማ ኣብ ለዕሊ እቶም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ኮፕቲክ ክርስቲያን ግብፂ ዘሰጐሙ ዝነበሩ ተኸተልቲ ኣባ ተክላሃይማኖት ዘ-ደብረሊባኖስ ብፍላይ ነቶም ብልዕልነት ሽዋ ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዝጓየዩ ዝነበሩ ምሁራትን ነገስታትን ደብረ ኤባ ልዑል ራዕዲ ፈጢሩ፡፡ መበገሲ እዚ ራዕዲ ድማ ስነልቦናዊ ኣተሓሳስባ ትግራይ  ካብ ትግራይን ሰሜናዊ ክፍልታት ኣምሓራን ባሕሪ ነጋሽን ሓሊፉ ናብ ሕመብርቲ ሽዋ ምአታው ነበረ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ መድረኽ ዝተስዓረ ስነ ምጐት ሽዋ፤ ተንኮልን መንግስታዊ መሓውርን ተጠቒሙ ኣተሓሳስባ ትግራይ ንምስኳን ዘኽአል ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ፡፡

ክሳብ ዘበነ ንግስነት ይስሃቅ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ፀብለልታ ዝፀንሑ ደቂ ትግራይ፤ ኣብ ዘመነ ስልጣን ዘርኣ ያቆብ ብዝጠጠዐ ተንኮል ቤተ ኣማራ ኣቦታትና ሓዱሽ ሓደጋ ክወርዶም ጀሚሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ሃይማኖታዊ ቅዋም ሒዞም ክካትዑ ንዝፀንሑ ልዕሊ 500 ምሁራን ትግራይ ፀረማርያም ዝብል ታርጋ ተለጢፍሎም ክኽሰሱን ሰዓብቶም ዝኾኑ ደቂ ትግራይን ምድሪ ባሕን ድማ ደቂቀ “እስጢፋ” ወይ ድማ ተኸተልቲ ሰይጣን ብዝበል ክንገላትዑን ጀመሩ፡፡ ብሰንኪ ምጡቕ ኣተሓሳስበኦምን መንነቶምን ጥራይ ኣብ መሬት ከይነብሩ ተፈሪዱሎም፡፡

ካብ ሽዋ ብጎጃም ኣቢልካ ክሳብ ጎንደርን ሸረን፤ ከምኡ ድማ ካብ ደብረብርሃን ብወሎ ክሳብ ደብረቢዚን ኣብ ዘሎ መንገዲ ተኸተልቲ ኣባ እስጢፋኖስ ዘዕቖበ ወይ ድማ ምስኣቶም ዝተዛረበ ወይ ድማ ዝተማኸረ ንብረቱን ሂወቱን ይስእን ዝብል ኣዋጅ ተኣዊጁ፡፡ ኣብ ክትዕ መገባእያ ደብረ ዒባ ተረኺቦም ነቲ ኩነታት ክዕዘቡ ዝተጓዓዙ ብኣሸሓት ዝቑፀሩ ምሁራን ትግራይን ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስን፤ በቲ እዋን ኣሓው ዝብል መፀውዒ ዝነበሮም ወገናት ድሕሪ እቲ ዝተውሃበ ፍርዲ ዕድል መራሕቶም በፂሕዎም፡፡ መራሕቶም ብዘይ ኣግባብ ክቕተሉን ክፍረዱን ምስ ራኣዩ ናብ ትግራይ ገፆም ክሃድሙ እኳ እንተፈተኑ ኣብ ገፆም /11/ ክልተ ትላሓት ብየማነ ፀጋም ኣዒንቲ ብምጥባሕ ከም ምልክት ክፍኣት ተባሂሉ ብትእዛዝ ዘርኣያቆብ ዝተተግበረ ምዃኑ መምሀር ገ/ኪዳን ደስታ ጠቂሶምዎ ኣለዉ፡፡

እዘን ክልተ ትልሓት መርኣያ ጅግንነት ዘርአያቆብ ኣብ ገፅ ተጋሩ ብመልክዕ ፈርማ ዘርአያቆብ ናይ ስሙ ፈላማይ ፊደል “ዘ” ዝብል ኮይኑ ከምዝተሰርሐ ድማ ኣብ ዓውዲ ምርምር ታሪኽ ዝነጥፉ ምሁራት ይስማዕምዑሉ፡፡

ሃይማኖታዊ ምንስቓስ መሲሉ ዝተጀመረ መኸተ ተጋሩ፣ ኣብ ኩሎም ግንባራት ክስፋሕፋሕ ጀሚሩ፡፡ ድሕሪ ንጉስ ኢዛና ቋንቋ ግእዝ ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ክዓቢ፣ ፍልስፍና ምህዞታትን ስነዝራእቲ ከምኡ ድማ ኣብ ዘበነ ኣኹሱም ተቋሪፁ ዝፀንሐ ስነ ህንፃን ኪነጥበባትን ክዕንብብ ጀሚሩ፡፡ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ርክባት ክዕንብቡ ጀሚሮም፡፡  ምጥጣዕ ስነ ሓሳብ ተጋሩ ዘይተውሓጠሎም ሸዋዊያን፣ በቲ ኣብ ትግራይ ክዕንብብ ዝጀመረ ስነ ልቦናዊ ልዐልነት ልቦም ክቃፀል ጀሚሩ፡፡ ብሙዃኑ ድማ ኣብ ትግራይን ምድረባሕርን ከምብሓዱሽ ዝተሰርሓ ኣብያተ ክርስትያናት ኮነ ኢሎም ክድምስስወን ጀመሩ፡፡ ንስሙ ክርስቲያናዊ ኣተሓሳስባ ነስፋሕፍሕ ኣለና ክብሉ ዝፀንሑ ነገስታት ቤተ ኣማራ፤ ብስነመለኮትን ኣተሓሳስባን ትግራይ ዝተሃነፃ ኣብያተ ክርስትያናት ብምንዳድ ስዓብተን ብኣልማሚት የፅንትዎ ነበሩ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ፈላማይ ጀኖሳይድ፤ ብክልተ ምዕራፍ ዝተፈፀመ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እምነትን ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ዝኾኑ ፈለስቲን ገዳማውያንን፤ ብሓፈሻ ኣብቲ እዋን ምሁራት ትግራይ ንምፅናት ዝተኻየደ ከም ቀዳማይ ምዕራፍ ተጌሩ ይውሰድ፡፡ ዶክተር ጌታቸው ሃይሌ “በህግ ኣምላክ” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ከም ዘስፈርዎ፤ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝረደ ከቢድ ግፍዒ ኣሽንኳይ ሰብ ፈጣሪ ሓዚኑ፡፡

እዛ ሎሚ ካብ ፊንፊኔ 120 ኪሎሜትር ንሰሜን ዘላ ከተማ ደብረብርሃን ብዝብል ዝተሰየመት ዋና ከተማ ሰሜን ሽዋ፤ ኣብቲ እዋን ደብረ ኤባ ብዝብል ስያመ እትፍለጥ ኮይና ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ኣቦታትና ድሕሪ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ንለይቱ ኣብቲ ቦታ ሓያል ብርሃን ዝወረደ ምዃኑ ስዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ይኹኑ ደቂቀ ቤተ ኣማራ ብዘይ ኣፈላላይ ይስማዕምዕሉ፡፡ ስያመ እታ ከተማ እውን ካብ ደብረ ኤባ ናብ ደብረብርሃን ዝብል ከም ዝተለወጠት እውን ሓበራዊ ምርድዳእ ኣለዎም፡፡ እንተኾነ ግና ኣብ ኣዋህባ ትርጉም ገፊሕ ፍልልይ ኣለዎም፡፡ ደቂቀ ቤተ ኣማራ ሓጥያተኛታት ስለ ዝቐተሉ ኣብ መቓብሮም ብርሃን ወሪዱ ዝብል ሓቲት ሒዞም ይቕፅሉ ኣለዉ፡፡ ሰዓብቲ ኣባ እስጢፋኖስ ድማ ንፁሃን ስለ ዝተጨፍጨፉ ፈጣሪ ምስ ንፁሃን ወጊኑ፡፡ ኣብቲ ደሞም ዝፈሰሰሉ ድማ ኣብ እዋን ፀልማት ብርሃን ወሪዱሎም፡፡ ነዞም ኣቦታት ዝጨፍጨፈ ዘርኣያቆብ ከምቲ ንሱ ዝብሎ ፈጣሪ ፎትይዎ እንተዝኾን፤ ኣብ ደም ዝፈሰሰሉ ዘይኮነስ ኣብቲ ንሱ ዝደቀሰሉ ብርሃን ምወረደ ክብሉ ይምጉቱ፡፡

ኣብ ቅዱሳን መፃሕፍቲ እየሱስ ክርስቶስ ዓርቢ ስቕለት መዓልቲ ልክዕ ትሸዓተ ስዓት ብትእዛዝ ንጉስ ቄሳር ኣብ ቀራኒዮ ምስ ተሰቐለ፤ ንለይቱ ኣብቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ ቀራነዮ ብርሃን ወረደ፡፡ ኣብቲ ንጉስ ቄሳር ዝዓረፈሉ ቦታ ግን ብርሃን ኣይተርኣየን፡፡ ስለ ዙይ ስነ መጎት ደቂቀ ቤተ ኣማራ ማይ ዘይቛፅር ምዃኑ ግሁድ እዩ፡፡

ደብረ ኢባ ልዕሊ 500 ሊቃውንቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉላ ደብረ ብርሃን፤ መነኮሳትን ምሁራትን ትግራይ ምስ ሂወቶም ጉድጓድ ተፋሒሩ ክቕበሩን ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ድማ ኣፍራስን መፅዓኛን ክጋልባ ተጌሩ፡፡ ደቂ ተባዕቲዮ ነቲ ንሰዓብቲ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት መጒቶም ዝሰዓሩሉ መልሓሶምን ኣፍንጨኦምን ብምቑራፅ ሰብ ክስሕቖምን ክፅየፎምን ተገበረ፡፡ ጅማውቲ ኣእዳዎም ተፈልዩ ብምልሓፅ ኣብ ኣደባባያት ተሳቐዩ፡፡

ሙሉእ ህይወተን ንፈጣሪአን ብመሃብ ካብ ዓለማዊ ሂወት ተፈልየን ዝነበራ መነኮሳትን ገዳማዊያንን ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ኣጥቧተንን ኣፍንጨአንን ብምቑራፅ ኣብ ርእሲ ምጭፍጫፈን፤ ኣስካሬን እዞም ቅዱሳት ን7 መዓልታት ከይተቐበረ ኣብ ኣደባባይ ክዝርጋሕ ተጌሩ፡፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ወፍሪ ጀኖሳይድ ትግራይ 2013 ዓም ብጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ፣ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ተስፋሕፋሕቲ ሓይሊታት ኣምሓራን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቀቲሎም ሸውዓተ ምዓልታት ሙለእ ወለዶም እናረኣዩ ከይቀበሩ ክሕልውዎም ዝተገበረ ተመሳሳሊ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡

ንጉስ ይኩኖኣምላክ ኣብ ትግራይ ከካይዶ ዝፀንሐ መበል ካልኣይ ወፍሪ ኣብ መሬት ትግራይ ዝተፈፀመ ኾይኑ፤ ብፍላይ ድማ ኣብተን ኣብነታዊያንን ነባራት ገዳማትን (ደብረቢዘን፣ ቆየፃ፣ ደብረ-ኣባይ፣ ካብ እንደርታ ክሳብ ዓጋመን እንባስነይቲን) ኣብ ዝነበሩ ኣመንቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ንልዕሊ 900 ዓመታት ሃኒፀምዎ ዝፀንሑ መዋቅራዊን መለኮታዊን ኣተሓሳስባ ብምድኻም ብሽዋዊያን ንምትካእ ዕንቅፋት ዝኾኑ ኣመንቲ ብኣልማሚት ተጨፍጪፎም፡፡ ምስ ምፅናት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ተጋሩ ተተሓሒዙ ንመዋእላት ወኒንዎም ዝፀንሑ ማሕበረ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ከምኡ ድማ ሃይማኖታዊን ዴፕሎማሲያዊን ፀፍሒታት ቀስ ብቐስ እናተሸርሸረ ከይዱ፡፡ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ቀላፅም ህዝቢ ትግራይ ዝፀንሐ ብቕዓት፤ ብሓይሊታት ቤተ ኣማራ ክስኮን ተጌሩ፡፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ትግራይን ምድሪ ባሕሪን ዝነበሩ ስዓብቲ እስጢፋኖሳዊያን ኣብ ዝሓለፍዎ ክህደኑን መንነቶም ክርሳዕን ልዑል ፃዕሪ ተጌሩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ትግርኛ ተዛረብቲ ብምዃኖምን ኣብ እምነቶም ብምፅነዖምን ጥራይ ኣቦታትና ኣብ ደብረሲና ካብ ዘለዉ ነዋሕቲ እንባታት ምስ ህይወቶም ካብ ምፅዳፍ ጀሚሩ ሰብ ክገብሮምስ ተሪፉ ክሓስቦም ዘይኽእል ባርባራዊ ግፍዒታት በፂሕዎም፡፡

መስዋእቲ ኣባ እስጢፋኖስን ስዓብቶምን 1478 ዓ/ም ስዒቡ ኣብ ትግራይን ምድሪ-ባሕሪን ዝነበሩ ነባራት ኣተሓሳስባታትን ስነ መለኮትን ጠቕሊሎም ከይጠፍኡ ንምግባር ኣባ ኣብከርዙ ዝተብሃለ ውፉይ ብኣባ እስጢፋኖስ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ብሕቡእ ተጠናኺሩ ክቕፅል ጌርዎ፡፡ እቲ ኣቦ ንምሁራንን ገዳማውያንን ትግራይን ምድሪ-ባሕሪን ብላዕለዋይነት ዝመርሐ እንትኾን፣ ስነልቦናውን ማሕበራዊ ፍለስፍናን ተጋሩ ናብቲ ዝለዓለ ብርኪ ክበፅሕ እውን ጌርዎ፡፡ ኣብቲ ዘመን ክሳብ ሎሚ እንሕበነሎም ጥዑማት ኣራንሺ ጉንዳጉንዶን ካልኦት ንወለዶታት ክመሓላለፉ ዝግበኦም ምሽጥራትን ብቋንቋ ግእዝ ክዕቀቡን ዝለዓለ ብምርምር ምርምር ዝተገበረሎምን ምዃኑ ካብቶም ኣብ ገዳም ጉንዳጉንዶ ዘለዉ ሰነዳት ምርዳእ ይከኣል፡፡ ዋላ እኳ ኣብ ልዕዐሊ ህዝቢ ትግራይ (ኣብ መሬት ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን) ጀኖሳይድ እንተተፈፀሞ ብመራሕቱ ዝረኸቦ ስነልበናዊ ልዕልነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለን፤ በቲ ናይቲ እዋን ኣተሓሳስባ ስነ ልቦናን ብመሪሕነት እዋስጣጢዎሳዊያን ዝተፈጠረ ፅኑዕ ኣተሓሳስባን ሒዙ ቀፂሉ፡፡ እቲ ምንቅስቓስ ክሳብ ኲናት ኢማም ኢብራሂም ኣልጋዚ “ግራኝ” ተጠናኺሩ ቀፂሉ፡፡

ብሓፈሻ 1 ወፍሪ ጆኖሳይድ ትግራይ ምስ እንዕዘብ፤ ብሸዋዊያን ፈለስትን ነገስታትን ኣብ ትግራይ ዝፀንሐ ስነልቦናዊ ልዕልነት ኣብ ፈተና ዝኣተወሉ ኩነታት ኮይኑ ሓሊፉ፡፡ ብምዃኑ ድማ፤-

  1. ኣብ ልዕሊ ደቂ ትግራይ ታርጋ ምልጣፍ ዝተጀመረሉ እዩ፡፡ “እስጤፋ” ዝብል ሽም ደቂ ትግራይን ምድረባሕርን ከም መፍለይ “11” ዝብል ትላሕ ከም ምልክት ተቐሚጡሎም ክህደኑ ተጌሩ፡፡ ምስቲ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ለጢፍዎ ዘሎ “ጁንታ” ዝብል ቃል ተመሳሳሊ እዩ፡፡ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ይገብር ምህላዉ የርኢ፡፡
  2. ተጋሩ ሒዞምዎ ዝፀንሑ መሰረት ስነ ምጎትን ስነ ልቦናዊ ልዕልናን ኣብ ቅድሚ ነገስታት ሽዋ ተማጉቶም ከሸንፉ ዝኽእልሉ ኮይኑ እናሃለዉ መንግስታዊ ስልጣን  ኣብ ልዕሊ እዞም ኣሸነፍቲ ዕዓፀባን ውርደትን ክበፅሖም ጀሚሩ፡፡ ወለድና ዋላ እውን ኣብቲ ሕጊ ዘይፍለጠሉ ባርባራዊ ስርዓት ኮይኖም “ብሕጊ ኣምላክ” ዝብል መማጐቲ ኣጀንዳ ሒዞም ዝተቃለስሉ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብ መሰረቱ ምስ ፈጣሪኡን ምስ ሕጊን ዝተኣሳሰረ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ምዃኑ፡፡
  3. ልዑል ሃይማኖታዊ ምትእስሳር ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ተጋሩ ብሰነ ምጐት ኣብ ሓደ መንፈስ ተሰሊፎም ፀላእቶም ዘሕፈርሉ፤ ወለድና ብኸናት ይኹን መንግስታዊ ኣሻጥር ካብ ዒላመኦም ንፃት እውን ዘይዋገዩ ምዃኖም፡፡
  4. ሓድነት፣ ዲሲፕሊንን ስነ-ምግባርን ተጋሩ ከምቲ ኣብ ናይ 17 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተርኣየሉ ብዓይነት፣ ፅንዓትን ጎሊሆም ዝወፅሉ ኩነታት ዝተፈጠረሉ፡፡
  5. መዓልታዊ ውዕሎን ምንቅስቓስ ቃልሲን ብምስናድ፤ ንወለዶታት ዘይተቆራረፀ ቃልሲ ንክህሉ ልዑል ፃዕሪ ዝተገበረሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡
  6. ዋላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃይማኖት ኮይንካ፤ ኣብ ለዕሌኻ ክፀዓን ዝተሓሰበ ተንኮል ፀላእቲ በይናይ ስነመጎት ተቓሊስካ ኣብቲ ሓቀኛ ቦታኻ ደው ክትብል ከም እትኽእል ካብ 1428-1527 ን99 ዓመታት ሙሉእ ዝተኻየደ ቃልሲ ወለዶታት ትግራይ ድሙቕን ወለዶታት ትግራይ ክመሃረሉ ዝኽእሉ ታሪኽ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየዱ ተደጋጋሚ ጀኖሳይዳት መበገሲኦም ካብ ደቂቀ ቤተ-ኣማራ እንትኾን መዕለቢኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ታሪኹን መንነቱን ሰሪዝካ፤ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምዕቡል ታሪኽን ኣተሓሳስባን ኣምሓራዊ ምግባር እዩ፡፡ ሕልሞም ንምስኻዕ ፈላማይ ጀኖሳይድ ዝጀመርሉ ድማ ብመሪሕነት ይኩኖኣምላክ ኮይኑ፤ ክሳብ መበል ሓምሻይ ዘሎ ተኸታታሊ ፅሑፍ ክቕፅል እዩ፡፡ 

ብገ/ሄር ሃይሉ