መቐለ፥24 ጥቕምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ )
ቀፃላይ ዕድልና ንክሰምር መናእሰይ ኣብ ቁጠባ፣ ፖለቲካን ምሕደራን ክሳተፉ ኣለዎም ኢሎም ምክትል ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ፡፡
ሌተናል ጀነራል ፃድቃን እዚ ዝገለፁ መበል 15 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ።
ሌተናል ጀንራል ፃድቃን መናእሰይ ኣብ ምሕደራ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ዘየበረታትዕ ኩነታት እንተጋጥም ተወዲብኻ ምቅላስ የድሊ ድሕሪ ምባል ትግራይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሞያ ዘለዎም ምሁራት መናእሰይ ኣፍሪያ እያ ስለዚ መናእሰይ ካብ ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ከይዶም ንሞት ስቓይን ከይቃልዑ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ኣብ ትግራይ ሰሪሖም ክልወጡ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን ካልኦት ማሕበራት ብሰንኪ ኲናት ብዙሕ ዕንወት ከም ዝበፅሐን ንርዳእ ኢና ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን መናእሰይ ተወዲቦም ተጠቃምነቶም ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ምምሕዳሮም ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡
ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣብ 2016 ዓ/ም ልዕሊ 800 ሚሊዮን ብር ን3900 ኣባላታ ብልቓሕ ከምዝሃበትን ጠቕላላ ካፒታላ 1 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ብር ከም ዝበፅሐ ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ሓለፎም ገዛኢ ገሊፁ፡፡
ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይ ኣንፃር ድኽነት፥ ስደትን ድሕረትን መናእሰይ ትግራይ ካብ ትቃለስ 11 ዓመት ገይራ ዝበለ ኣቦ ምንበር እታ ማሕበር ካብተን ልዕሊ 10 ጨናፍር ኣብ መብዛሕቲአን እዚ ዘበን ዝጠልቦ ቴክኖሎጂ ዲጅታል ኮር ባንኪንግ ብምጥቃም ተሰርሕ ምህላዋ ኣረዲኡ።
በዝሒ ጨናፍር ካብ 5 ናብ 10 ምብፅሑ፣ መጠን ዝተውሃበ ልቓሕ ኣብ 2015ዓ/ም ካብ ዝነበረ ልዕሊ 20 ሚልዮን ብር ናብ ልዕሊ 804 ሚልዮን ብር ምብፅሑ፣ ዓመታዊ ትርፊ ካብ 26.5 ሚልዮን ናብ 32.8 ሚልዮን ምውሳኹን ኣብ ዝቐረበ ፀብፃብ ብኣወንታ ካብ ዝተገለፁ እንትኾኑ ምጉዳል ፅፈት ምልመላ ኣባላት፣ ሰሌጠን ስራሕቲ ብዝድለ ዘይምዃንን ካልኦትን
ብኣሉታ ካብዝተልዓሉ እዮም።
ቅድሚ 11 ዓመት ዝተጣየሸት እታ ማሕበር ሐዚ ልዕሊ 32 ሽሕ ኣባላት ከም ዝፍረየትን ልዕሊ 1 ቢልዮን ብር ልቓሕ ከም ዝሃበት ተገሊፁ።