ወርሒ ጥቅምቲ ዓለምለኸ ወርሒ መዕበይ ግንዛበ መንሽሮ ጡብ እንትኾን፣ ‘ሮዝ ኦክተበር’ ተባሂሉ ድማ ይስየም።
ኣብዚ ወርሒ ሰባት ብዛዕባ እንታይነት፣ መንቀልን ሕክምናን መንሽሮ ጡብ ክፈልጡን ሕክምና ክገብሩን ዝያዳ ጎስጓስ ዝግበረሉ ወርሒ እዩ።
መንሽሮ ጡብ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ካብዘጋጥሙ ዓይነታት መንሽሮ ሓደ እንትኾን፣ ካብ መንሽሮ ቆርበት ቀፂሉ ብበዝሒ ከምዘጋጥም ይግለፅ።
መብዛሕትኡ እዋን እቲ ሕማም ኣብ ልዕሊ 50 ዝዕድሚኤን ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም እንትኾን፣መንቀሊ እቲ ሕማም ድማ፦
*ሽጋራን ኣልኮልን ብበዝሒ ምጥቃም
*ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ
*መከላኸሊ ወሊድ ንነዊሕ እዋን ምጥቃም
*ብጨረር ዝወሃብ ሕክምና
*ብዓሌትን ካልኦት ምኽንያታትን ከምዝመፅእ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይገልፁ።
እቲ ሕማም ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ጡብ ዘለው ዋህዮታት ዓብዮም ሕበጥ እንትፈጥሩ ዘጋጥም እንትኾን፣ምልክታቱ ድማ፦
*ብፍላይ ድማ ኣብ ሓንቲ ጡብ ጥራይ ጥንኩር መጠኑ ብርግፅ ክልለ ዘፀግምን ዕንኩር ሕበጥ ንመንሽሮ ጡብ የምልክት
*ኣብ ናይ ከባቢ ጡብ ዝርከብ ቖርበት ጥምቡቓት እንተበዚሑ ንመንሽሮ ጡብ የመልክት፣ብፍላይ ድማ ከም ቆርበት ኣራንሺ ሕርፍፍ ምባል እንተጀሚሩ።
*ጫፍ ጡብ መልክዑ፥ ኣንፈቱን ጥብቆኡን እንተቐይሩ
*ምቕያሕ ቆርበት ጡብ ምልክት ነድሪ ክኸውን ይኽእል።
*ምህላው ሊላ ሕብሪን ማይ ዝመስል ሕብሪ ዘለዎ ፈሳሲ ምልክት እዩ።
*ብፍላይ ድማ ኣብ ሞንኮራኹዕቲ ዝርከቡ ደቀቕቲ ፅኪታት እንትሓብጡ መንሽሮ ጡብ ምሕሳብ ግድን እዩ።
ተዛማዲ ምልክታት ድማ፦
ምቕናስ ሸውሃት ምግቢ
ምሽቁልቋል ክብደት
ፀገም ምትንፋስ
ምዕፃው ኣፍልቢን ዝኣመሰሉ እዮም።
እኹል ምንቅስቓስ ምግባር፣ ዝተስተኻኸለ ክብደት ሰውነት ምህለዉ፣ መጠን ኣልኮል ምንካይን ዝኣመሰሉ ድማ ዝያዳ ንቲ ሕማም ከይንቃላዕ ዝሕግዙና መንገድታት እዮም ይብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ።
እዚ ሕማም ቶሎ ኢሉ ሕክምና ተረኺቡ ብቐሊሉ ክድሕን ዝኽእል እንትኾን፣ እንተዶንጕዩ ግን ክቐትል ዝኽእል ሓደገኛ ሕማም ምዃኑ ተረዲእና እቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ምልክታት ኣብዝረኣናሉ እዋን ብቕልጡፍ ናብ ሕክምና ክንከድ ይግባእ ክብሉ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይምዕዱ።
#ብህሊና ኣርኣያ