
መቐለ፥ 03 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ከተማ ኣኽሱም ዝለዓለ ፈጠራ ጥበብ ወዲ ሰብ ዝዓረፈሎም ሓድግታት ዝሓዘት ብምዃን ብ1980 ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ኣብ መዝገብ ቅርሲ ዓለም ዩኔስኮ ተመዝጊባ ትርከብ ከተማ እያ።
ካብ ሓወልትታት፣ ቤተ መንግስትን ኣርኪዮሎጂካዊ ቦታን ብተወሳኺ “ሰቐላ” ተባሂሎም ዝፅውዑ ጥንታውያን ኣባይቲ፣ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዩኔስኮ ንክትምዝገብ ኣኽኢሎማ እዮም።
ካብ ቤተ መንግስቲ ንግስተ ሰባ ዝርከበሉ ድንጉር ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ክሳብ ገዛ ዕጉማይ ዝረከብ ከባቢ ኣብ ዩኔስኮ ተመዝጊቡ ይርከብ።

ተጋሩ ኣኽሱማውያን ኣብ ስራሕቲ ስነ ህንፃ ዝተፈለየ ክእለት ከም ዝነበሮምን ኣብ ጥንቲ እዋን ብዘይ ስሚንቶን ቴንዲኖን ክሳብ 13 ደብርታት ዝበፅሑ ቤተ መንግስቲ ከምዝተሃነፁ ኣተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ማእኸል በፃሕቲ ዓዲ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኪዱ ተጠምቀ ገሊፆም።

ብፍላይ “ሰቐላ” እንዳተባህሉ ዝፅውዑ ጥንታውያን ኣባይቲ ብዕንጨይቲ፣ ብእምኒ፣ ብሃሪ፣ ቆርበት ከፍትን ሻምበቆን ዝተሰርሑ ካብ ኣዝዮም ኣደነቕቲ ቅርስታትን ሓድግታት ታሪኽን ጥንታውያን ኣክሱማውያን እዮም።

ኣኽሱማውያን ንስራሕቲ ህንፃ ፍልሖን ነቐዘን ዝፃወሩ ከምኒ ኣውሊዕ፣ ዓዂን ዝግባን ዝበሉ አእዋም ይጥቀሙ ምንባሮም ዝገለፁ ድማ ኣብ ኣኽሱም መንፈሳዊ መምህር ሹሻይ ይእመር እዮም።
ጥበብ ስነ ህንፃ ተጋሩ ኣኽሱማውያን ኣብ ኣኽሱም ጥራሕ ዝተረፈ ከምዘይኮነን፣ ኣብ መላእ ትግራይን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ቤተክርስትያናት እውን ብቕዲ ኣሰራርሓ ህንፃ ኣኽሱማውያን ከምዝተሰርሑ እዮም መምህር ሹሻይ ዘዘንትዉ።

እዞም ባህላውን ጥበብን ቀዳሞት ወለዲ ዝዓረፎም ክሳብ ሕዚ ከም መንበሪ ዘገልግሉ ዘለዉ ጥንታውያን አባይቲ ከተማ ኣኽሱም ልዕሊ 200 ዓመት ከምዘቑፀሩ እዩ ዝንገር።
ይኹን እምበር እዞም ጥንታውያን ኣባይቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ምፍራስ ከምዝርከቡ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ማእኸል በፃሕቲ ዓዲ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኪዱ ተጠምቀ ገሊፆም።

ኣኽሱም ብብርኪ ዓለም ትፍለጠሎም ጥንታውያን ኣባይቲ ኣብ ምፍራስን ገሊኦም ድማ ብዘበናዊ ገዛ ይትክኡ ከምዘለዉ ኣይተ ተጠምቀ ተዛሪቦም።
እዚኣቶም ኣፍሪስካ ብካሊእ ዘመናዊ ህንፃ ምትካእ ድማ ኣኽሱም ካብ ዝርዝር መዝገብ ዩኒስኮ ከምዘውፀኣ ይሕብሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ገብረመድህን ፍፁምብርሃን ብወገኖም ብቅርስነት ዝተመዝገቡ ጥንታውያን ገዛውቲ እኹል ሓለዋ ክግበረሎም ተባሂሉ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ናይ ምልዓል ተጀሚሩ ምንባሩ ሓቢሮም።

ኮይኑ ግና ብበጀት ሕፅረት ምኽንያት እቲ ስራሕ ደው ከምዝበለን ሕዚ ከም በሓዱሽ ንክጅመር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ፃዊዒት ከምዘቕርቡ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ ምስቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ብተወሳኺ ኣብ ዩኒስኮ ዝሰፈሩ ጥንታውያን ኣባይቲ እውን ዝፅገንሉ መንገዲ ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

መግለፂ መንነት ስልጣነ ጥንታውያን ተጋሩ ኣኽሱማውያን ዝኾኑ ቅርስታትን ሓድግታትን ከይጠፍኡን ናብ ቀፃሊ ወለዶ ምምሕልላፍ ሓላፍነት ኩሉ ማሕበረሰብ ምዃኑ ገሊፆም።
#ይብራህ_እምባየ