መቐለ፥ 4 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
መበል 1499 ዓመተ ሄጅራ በዓል መውሊድ ነብዩ መሓመድ እንትኽበር ንተመዛበልትን ፅጉማት ወገናትን ብምትሕግጋዝን ብምትሕልላይን ክኾን ክከውን ከም ዝግባእ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደል ቃድር ሐቢሮም።
ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሸኽ ኣደም ዓብደል ቃድር ኣብ ቕነ መእተዊ ሓድሽ ዓመት ንዝኽበር መበል 1499 ዓመት በዓል መውሊድ ነብዩ መሓመድ ኣመልኪቶም ንተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ካብ ሞንጎ ዓበይቲ ሃይማኖታዊ በዓላት እስልምና ሓደ ዝኾነ በዓል መውሊድ ብደረጃ ሃገር ምኽባር ዝተጀመረ ኣብ ትግራይ ከምዝኾነ ዝገለፁ ሸኽ ኣደም ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ነብዩ መሓመድ ዝካየደሉን ፅጉማት ዝዝከርሉን ዝሕገዝሉን በዓል ምዃኑ ይዛረቡ።
ኣብ በዓል መውሊድ ተኸተልቲ እቱ እምነት ምስ ተመዛበልትን ካልኦት ፅጉማት ወገናትን ብሓባር ተሓጒሶም ከሕልፍዎ ዝፀንሐ ባህሊ ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን ክጠናኸሩን ሸኽ ኣደም ፀዊዖም።
#ብገ/መድህን _ተ/መድህን