በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ዓረፋ ተምሳሌት ሰላምን ምትሕግጋዝን እዩ ኢሎም ሰዓብቲ እስልምና ከተማ ዓዲግራት
ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝነብሩ ሰዓብቲ እምነት እስልምና መበል 1445 ዓመት በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ዓረፋ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነስርዓት ኣኽቢሮም።
እቲ በዓል ዝተፀገሙን ዝሓመሙን ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ተወካሊ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዞባ ምብራቕ ትግራይ ሸኽ ኣሕመድ መሓመድ ምዒዶም።
ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብታ ከተማ ተዓቂቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ሰዓብቲ እስልምና ብወገኖምካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ብጥሜት፣ፀሓይን ቁርን ዝሳቐዩ ዘለው ወገናት ናብ መረበቶም ንክምለሱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብመሰረት ዘውፀኦ ግዜ ገደብ ክፍፅም ከምዝግባእ እቶም ሰዓብቲ እምነት እስልምና ኣተሓሳሲቦም።