መቐለ ፥12 ጥሪ 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ )
በዓል ጥምቀት 2017 ዓ/ም ባህላውን ሃይማኖታውን ትውፊታቱ ሓልዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተኸቢሩ።
ብተኸተልቲ እምነት ክርስተና በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል ጥምቀት፤ ኣብ ከተማ ማይጨው ባህላውን ሃይማኖታውን ትውፊታቱ ሓልዩ ብዝለዓለ ድምቀት ተኸቢሩ።
ኣብቲ በዓል መልእኽቲ ዘሕለፉ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሃገራት ኣውሮፓ ኣቡነ ኤፍሬም በዓል ጥምቀት እየሱስ ክርስቶስ ብኢደ ዮሃንስ ተጠሚቑ ትሕትናን ይቅር ባሃላይነትን ዘምሃረሉ እዩ ኢሎም።
“በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ኣነ ጥራሕ ክበልዕ ክሰቲ ካብ ዝብል ወፂና ንኩሉ ብማዕረ እነገልግልን ፍትሒ እንህብን ክንኾን ይግባእ” ኢሎም።

ስለዝኾነ መራሕቲ ሃይማኖት ይኹኑ መራሕቲ መንግስታዊ ዕዮ ፍትሕን ትሕትናን ከምህሩ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ተረከብቲ ዓዲን ታሪኽን ዝኾኑ መናእሰይ እውን ትሕትናን ፅድቅን ብዝተመልኦ መንገዲ ባህሎም ከኽብሩ ሚዒዶም።
ዋና ፀሓፊ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ትግራይ ኣቡነ ኣረጋዊ፥ ጥምቀት ክነኽብር ከለና ኣብ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን እንዓሰለሉ ክኾን ይግባእ ኢሎም።

ምኽትል ሓላፊት ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ወይዘሮ ዘነቡ ሓለፎም ኣብ ትግራይ ብፍሉይ ካብ ዝኽበሩ ሃይማኖታዊ በዓላት ሓደ ዝኾነ በዓል ጥምቀት ንልምዓት ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፀን።
እዙይ በኣግባቡ ናብ ረብሓ ንምቕያር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ እውን ኣረዲአን።
“በዓል ጥምቀት ንሰላምን ሓድነት” ብዝብል ቴማ እነኽብሮ ዘለና በዓል ናብ ተግባር ተሸሪፉ ሰላምን ሓድነትን ህዝብና ነረጋግፀሉ ክኾን ይግባእ ዝበሉ ድማ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ እዮም።
ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኣትየን ዝነበራ ሽዱሽተ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ናብ በዓል ዋና ተመሊሰን ነባራይ ህዝቢ እውን በዓል ጥምቀት ብሰላማዊ መንገዲ የሕልፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ከንቲባ ከተማ ማይጨው ኣይተ ዮሃንስ ኣዱኛ በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ማይጨው ብድምቀት ክኽበር ምኽኣሉ ነቲ ነባራይ ህዝብን ከተማን ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ ዕብየት ከተማ ማይጨው ንምርግጋፅ ካብ ቃል ዝሓለፈ ብተግባር እነሪኤሉ ጊዜ እዩ ኢሎም እቶም ከንቲባ።
ኣብ ከተማ ማይጨው ኣብ ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዞባ ደቡብ ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ሊባኖስ፣ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣውስራልያን ኔዘርላንድን ብፁእ ኣቡነ ሰላማ፣ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ትግራይ ኣቡነ ናትናኤል፣ዋና ፀሓፊ መንበረ ሰላማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ትግራይ ኣቡነ ኣረጋዊ፣ ሓላፊ ካቢኔ ሰክሪተርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገ/ሂዎትን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣመንቲ ክርስትናን ተረኺቦም።



በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር ንትንሳኤ ከተማ ማይጨው ብፎረም ልምዓት እታ ከተማ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ምትእኽኻብ እቶት ልዕሊ 35 ሚልዮን ብር ክምዝተረኸበ ዝተገለፀ እንትኾን እቲ ምትእኽኻብ እቶት ክሳብ 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ቴሌቶን ላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ተወለድትን ነበርትን ከተማ ማይጨው ተረኺቦም።
በዓል ጥምቀት 2017 ዓ/ም ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታት እቲ በዓል ብዝሓልዉ ስነ-ስርዓታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተኸቢሩ።


