ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተኸፈተ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ንዝነበረ ፀበባ፣ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ንዓለም ዘቃለት ብልፅቲ ጋዜጠኛ ሲኤንኤን ንዒማ ኢልባጊር ክነላልየኩም።
እዛ ዕለት ኣብ መዝገብ ታሪኽ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ትግራይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ንዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ማርያም ደንገላት ሰኒዳ ኣላ ፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ዓለም ክፈልጦ ዝገበረት ድማ ጋዜጠኛ ስኤንኤን ንዒማ ኢልባጊር እያ።
ንዒማ መን እያ? ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ጨፍጫፍ ከመይ ኣቃሊዓ? ክነላልየኩም።
ብ 1978 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ሱዳን ካርቱም ዝተወለደት ንዒማ ኢልባጊር፣ ካብ ኮሌጅ ኢኮኖሚ ለንደን ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቓ።
ኣብ 2002 ዓመተ ፈረንጂ ኣብ ሱዳን ንሬውተርስ ተቖፂራ ክትሰርሕ ዝጀመረት ንዒማ ድሕሪ 8 ዓመት ወኪል ሲኤንኤን ኣብ ጆሃንስበርግ ኮይና ዝተቖፀረት ኮይና ፣ስዒባ ኣብ ኬንያ ድሕሪ ምስራሕ ናብ ለንደን ብምምራሕ ኣብ ስራሕቲ ምርመራዊ ጋዜጠኝነት ሲ ኤን ኤን ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
ካብ ዳርፉር ክሳብ ሶማልያ ካብ ሊብያ ክሳብ ትግራይ ሂወታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ ብዝሰርሐቶም ፀብፃባት ምርመራዊ ጋዜጠኝነት ብዙሓት ገበናት ዘቃልዕት ንዒማ፣ ኣብ መድረኽ ዓለም ዓበይቲ ሽልማታት ረኺባ እያ።
ንዒማ ኢልባጊር ምስ ጨፍጫፍ ትግራይ ከመይ ሽማ ይተሓሓዝ?
ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ፅንተታዊ ኲናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ዕፅዋን ክባን ተገይሩ።
ኩሉ ምስ ዓለም ዘራኽበና ዝነበረ ነገር ተዓፅዩ፣ ትግራይ ብዛዕባ ዓለም ዓለም እውን ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ዘይንፈልጠሉ እዋን ንዒማ ኢልባጊር ናብ ትግራይ ብምምፃእ ምስሊ እቲ ጨፍጫፍ ንዓለም ዘርኣዩ ፀብፃባት ክትሰርሕን ክተቃልዕን ጀሚራ።
ብፍላይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብዛ ዕለት ኣብ ማርያም ዳንግላት ዝነበረ ጨፍጫፍ ንፁሃት ዓለም ክፈልጦን ዕምቈት እቲ ዝቐፀለ ፅንተት ክርዳእን ገይራ።
21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ ደንገላት ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዓመታዊ ክብረ በዓል ማርያም ንምኽባር ኣብ ጥንታዊ ገዳም ማርያም ደንገላት ተኣኪቡ ካብ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ልዕሊ 154 ንፁሃት ብ ወረርቲ ወታደራት ኤርትራ ከም ዝተጨፍጨፉ ንዒማ ናብቲ ጨፍጫፍ ዝተፈፀመሉ ቦታ ብምኻድ ካብ ኣንደበት ስድራ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይንን ሓበሬታ ብምእካብ ቃንዛ እቶም ተበደልቲ ብዙሓት ማዕኸናት ዜና ዓለም ክቀባበልኦ ዝገበረ ፀብፃብ ኣዋዲዳ።
ሰራዊት ሻዕብያ፤ ሰብ ፀጋ ዕድመ፣ ካህናት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ብጠቕላላ ቤተክርስትያን ክስዕሙ ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ንፁሃን ዜጋታት ጨፋጫፋ ከም ዝፈፀሙን፣ ብድሕሪኡ ድማ ገዛ ንገዛ እናዘወሩ ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ብምውፃእ ከም ዝቐተሉ ናብቲ ቦታ ከይዳ ብምርግጋፅ ኣቃሊዓ።
ንመዓልትታት ሬስኦም ከም ዘይተቐበረን፣ በዚ ምኽንያት ድማ መንነቶም ክፍለ ብዘይምኽኣሉ ግዳያት ተኸዲኖምዎ ዝነበሩ ክዳን፣ ጫማ፣ ነፀላ፣ ቁልፊ ስረ መንነት ኣስከሬን ንምፍላይ ከም ዝወዓሉ ንስድራ ግዳያት ጠቒሳ ልቢ ዝትንክፍ ዛንታ ግፉዓት ተጋሩ ንዓለም ነጊራ እያ ንዒማ።
ሰራዊት ሻዕብያ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን ተባሂሉ ኣብ ዝተሓብአሉ እዋን፣ ሂወታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ኣቃሊዓ።
ዛንታ ጄኖሳይድ ትግራይን ፀብፃብ ንዒማን በዚ ኣየብቅዐን። ናብ ሱዳን ብምኻድ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኩነታት ስደተኛታት ተጋሩ ፣ ካብ መረበቶም ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉሉ ጨፍጫፍ ፣ ኣብ ጉዕዞኦም ዘጋጠሞም ፈተናታትን ኣብ መዐቖቢ ስደተኛታት ንዝገጥሞም ፈተና ህልውናን ኣመልኪታ ተኸታተልቲ ፀብፃባት ሰሪሓ።
ብፍላይ ድማ ብደብዳብ ከቢድ ኣፅዋር ኣባላት ስድረኦም ዝሞትዎም፣ ብሂወት ዝተረፉ ድማ ቅያር ክዳን እኳ ከይሓዙ ንብረቶምን ገዝኦምን ገዲፎም ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ተሪኻ። ብተከዘ ገይሩ ናብ ሱዳን ዝኣተወ ኣስካሬን ዝተጨፍጨፉ ተጋሩ እውን ኣቃሊዓ።
ኣብ ለንደን ብፎረይን ፕረስ ኣሶሴሽን ንዝወሃቡ “ብሉፅ ዜና እዚ ዓመት” ን “ብልፅቲ ጋዜጠኛ እዚ ዓመት”ን ንዝብሉ ሽልማታት ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት መድረኻት ዝተሸለመት ንዒማ ብትሰርሖም ምርመራዊ ፀብፃባት ብርክት ዝበሉ ክብርታት ተወንዚፋ እያ። ኣብ 2022 ዓ/ፈ ዋና ልእኽቲ ዓለም ለኻዊ ስራሕቲ ምርመራዊ ጋዜጠኝነት ሲ ኤን ኤን ኮይና ተሓርያ።
እዛ ሱዳናዊት ጋዜጠኛ ፣ ዓለም ገፃ ኣብ ዘዘረትልና እዋን ናብታ ኣብ ቀፃሊ ባርዕ ኲናት ዝነበረት ትግራይ ብምእታው ሂወታ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቓ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀሙ ገበናት ዓለም ክፈልጦምን ብውስን መልክዑ ዓለም ብዛዕባ ትግራይ ክትፈልጥ መንገዲ ዝኸፈተት በዓልቲ ውዕለታ ትግራይ እያ።
ንራብዓይ ዓመት ጨፍጫፍ ማርያም ደንገላት እንትንዝክር ነዚ ፅንተታዊ ኲናት ዓለም ክፈልጦን ማእኸል ትኹረት ዜናታት ክኸውንን ካብ ዝገበሩ ሰባት ሓንቲ ንዝኾነት ንዒማ ኢልባጊር ክንዝክር መሪፅና።