እቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ረቒቕ ሓሳብ ተኹሲ ደው ምባል 14 ድጋፍ ድምፂ ዝረኸበ እንትኾን ሩስያ ግና ብድምፀ ተኣቅቦ ከምዝወፀት ተሓቢሩ።
እቲ 3 መፈፀሚ ምዕራፋት ዝሓዘ ምኽሪ ሓሳብ ኲናት ደው ክብል፣ ብሓማስ ዝተዓገቱ ክፍትሑን ብእስራኤል ተታሒዙ ዘሎ ምምሕዳር ጋዛ ናብ ሰብ ዋንኡ ክምለስን ዝብል ሓሳብ ዘካተተ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ዘተ ሰላም ዘይቕበል ኣካል ከቢድ ውሳነ ክሓልፍ እቲ ቤት ምኽሪ ኣተሓሳሲቡ፡፡
እቲ ንተፃባእቲ ሓይልታት እስራኤልን ሓማስን ናብ ዘተ ከምፅእ ተስፋ ዝተገበረሉ እማመ ሓሳብ ብወገን እስራኤል ተቐባልነት ምርካቡ ኣሜሪካ ገሊፃ።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ዘፅደቖ ውሳነ፤ ንድሌት እስራኤል ዘቐደመ ምዃኑ ዝተቓወመ ዕጡቕ ሓማስ ብግዲኡ፤ ብቐዳምነት ዘላቒ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክፍረም ድሌት ከምዘለዎ ምጥቃሱ ፀብፃባት ኣልጀዚራን ቶሮንቶ ስታርን የመላኽቱ፡፡
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ፤ ኣስታት 1200 እስራኤላውያን ምቕታሉን 251 ሰባት ምጭዋዩን ስዒቡ እስራኤልን ብዝወሰደቶ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ዛጊድ ኣብ ጋዛ ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ቁፅሪ 36 ሽሕን 801 ከምዝበፅሐ ቢቢሲ ፀብፂቡ።