መቐለ፥ 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ 2025 ኣቆፃፅራ ጎርጎርዮሳዊያን 190 ሚልዮን ህዝቢ ንምቕላብ 47 ቢልዮን ዶላር የድልየኒ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት UN OCHA።
ሓዱሽ ሓላፊ UN OCHA ቶም ፍለቸር፣ ጎንፅን ሓደጋታት ምዝባዕ ኵነታት ኣየርን ኣብ ዝተጋደዱሉ እዋን ዝቐርበልና ዘሎ ገንዘብ ግና ኣዝዩ ዝነኣሰ እዩ ኢሎም።
እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝሓዞ በጀት ንታሕቲ ንክሕዝ ከም ዝተገደደ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ እዚ ድማ ዘለና ሃፍቲ ውሑድ ብምዃኑ እዩ ኢሎም።
ብብርኪ ዓለም 305 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ከም ዝደልዩ ዘፍለጠ OCHA ካብዚኦም ኣብ 32 ሃገራት ንዝርከቡ 190 ሚልዮን ሰባት ንምቅላብ ንዝቕፅል ዓመት ጥራሕ 47 ቢልዮን ዶላር የድልየኒ ኢሉ።
“ዓለም ኣብ ሓዊ እያ ዘላ” ብምባል ክብደት ዘሎ ሓደጋ ዝገለፁ ቶም ፍለቸር፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ሓገዝ ምቁራፅ ድማ ጭካነ እዩ ኢሎምዎ።
ኣብ ኦቻ፣ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መሰቀልን ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ምድሓን ሂወትን ዝግበር ምቁራፅ ይኹን ምንካይ ሓገዝ ሓደግኡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃሰየትን ሐዚ ውን ካብ ኲናት ዘይወፀትን ሶርያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኮንጎን ይርአ ከም ዘሎ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፣ ለገስቲ ሐዚ ኣብ ሱዳን፣ ዩክሬን፣ ጋዛን ካልኦት ከባቢታትን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ከእትዉ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ምብፃሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀዳምነት ዝወሃቦም ኣብ ምቕማጥን ገንዘብ ኣብ ምትእኽኻብን ፍሉይ ትኹረት ከም ዘድሊ ውን ኣረዲኦም።
ምስ ተመራፂ ፕሬዝደንት ትራምፕን ካልኦት ኣመራርሓን ነቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝግበር ደገፍ ኣመልኪቶም ከም ዝዘተዩ ውን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ቶም ፍለቸር ገሊፆም ከም ፀብፃብ ኣፍሪካ ኒውስ።