Home ዜና ብሄራዊ ስምረትን ሓድነትን ክምልስ ዘኽእል ኩሉ ዝሓቖፈ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ንኽጣየሽ...

ብሄራዊ ስምረትን ሓድነትን ክምልስ ዘኽእል ኩሉ ዝሓቖፈ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ንኽጣየሽ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ፀዊዑ።

457

መቐለ፥17 ታሕሳስ 2017 (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ብሄራዊ ስምረትን ሓድነትን ክምልስ ዘኽእልን ኩሎም ዝምልከቶም ወገናትን ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታትን ዝሓቁፍ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ንኽጣየሽ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ፀዊዑ።

እቲ ሕብረት ኣብ ህፁፅ ሓገዝ፣ ህንፀት ሰላም፣ ዳግመ ሕውየትን ካልኦት ልምዓታዊ መደባትን ዝነጥፉ 47 ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝሓቖፈ ሕብረት ንህሉው ቅልውላው ፖለቲካ ትግራይን ምዕባለታቱን ኣመልኪቱ ንዘካይዶ ሓፂር ገምጋም ብምጥቃስ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ እዩ ፃዊዒት ኣቕሪቡ።

ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብኣግባቡ መሊኡ ዘይምትግባሩን በብእዋኑ ዝጋደድ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፀጥታዊን ፀገም ትግራይን ኣሻቓሊ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ሕብረት ዘይመንግስታውያን ትካላት ነዚ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ግደአን ከበርክታ ከም ዘለወን ብምእማን ክንረባረብ ኢና ኢሉ።

ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ብሓይሊ ዝተወረረ መሬት ትግራይ ናብ ዋንኡ ብዘይምምላሱ ካብዞም መሬታት ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝጠቐሰ መግለፂ ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ነዚ ከፈፅም ዝግብኦ መንግስቲ ፌደራልን ኣዛተይቲ ዓለምለኻውያን ትካላትን ዝሃብዎ ትኹረት ትሑት ምዃኑ ዝፈጠሮ ፅልዋ ዓብዪ ምዃኑ ዝገለፀ እንትኸውን ሓድነት ዘይብሉን ስምረት ህዝቢ ከይህሉ ዝገብር ዘሎ ቅልውላው ፖለቲካ ትግራይ ግን እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ምዃኑ ኣተንቢሁ።

ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይን እታ ግዝኣታዊ ሓድነታ ዘይተረጋገፀላ ትግራይን ሰላሞም ዝዘርግን ካብዚ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘተኣናግዱሉ ኩነታት የለን ኢሉ።

ብፍላይ ድማ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ናብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ካብ ዝኾነ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ሓይሊ ዝኾነ ዓይነት ተግባር ተፃብኦ ሰላም ከየጋጥም ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኩሉ ዓይነት ጥንቃቐ ክገብርሩን
ክቑጠቡን ብኣፅንኦት ኣተሓሳሲቡ።

ክሳብ ሕዚ ዝተረኸበ ሰላም ዝዘርግ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከም ዘብዐኛታት ሰላም ኮይንና በቲ እንኮ ልኡኽና ዝኾነ ሰላማዊ መንገዲ ኣጥቢቕና ከምእንቃለሶን ንህዝብናን ማሕበረሰብ ዓለምን ነፍልጥ እውን ኢሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዝረኣይ ዘሎ ቅልውላው ካብ ዘጋድዱ ዘለዉ እቲ ሓደ ምኽንያት ህዝባዊ መሰረት ዘለዎን እቲ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተመስረተ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝቆፃፀርን ቤት ምኽሪ ዘይምህላው ካብ መጀመሪከኡ ፀገም ኣፈጣጥራ ዝነበሮ እዩ ኢሉ ከምዝኣብን ኣፍሊጡ።

እዚ ዘይምትካሉ እቲ ዝተለመደ ስራሕቲ ምውፃእ ሕጊ ፣ ምፅዳቕን ምቁፅፃርን በጀት ሚዛኑ ሓሊዩ ከይኸይድ ዝገበረ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብዙሓት መንግስታዊ ትካላት ሚዛኖም ሓሊዮም መንግስታዊ ስራሖም ንከይሰርሑ ዝገብር ኩነታት ፈጢሩን መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ዘየረጋገፀን እዩ ኢሉ።

ነዚ ንምስትኽኻልን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ህዝባዊ መሰረት ብዘለዎ ኩነታት ንምትግባር፣ ኩሉ ዓቕምታት ህዝቢ ትግራይ ንምጥቃም፣ እቲ ዝተበተኸ ርክብ ታሕተዋይ ብርኪ መሓውር መንግስትን ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ንምስናይ ዘኽእል ብሄራዊ ስምረትን ሓድነትን ክመልስ ዘኽእልን ኩሎም ዝምልከቶም ወገናትን ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታትን ዝሓቁፍ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ብህፁፅ ንኽጣየሽን ፀዊዑ።

እዚ ንምግባር ድማ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝሓዘ ብሄራዊ ኮንፈረንስ ብህፁፅ ንክዳሎ ዝፀወዐ እቲ ሕብረት እዚ ንምግባር እቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ብዕሊ ዝተጣየሸ ኣማኻሪ ካውንስል ከምመበገሲ ምውሳድ ከምዝከኣል ሓቢሩ።

ክሳብ ሓቛፋይ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ዝጣየሸ ጊዚያዊ ምምሕዳር  ብቐዳምነት ትኹረት ክወሃቦም ዝግባእ እዋናዊ ረብሓታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ምትግባር፣ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ትግራይ ምምላስ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅ፣ ፀጥታን ድሕንነትን ህዝቢ ምርግጋፅ፣ ብሄራዊ ሓድነትን ስምረትን ምርግጋፅ እንትኾኑ፤ ምጥያሽ ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝኾነ ምኽንያት ጊዜ ዝወስድ እንተኾይኑ ድማ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝከታተል ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ሓቛፋይ ፓነል ክጣየሽ ፀዊዑ።

እቲ ዝጣየሽ ፓነል ብዋናነት ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኑ ዝግምግም እንትኸውን ከከም ኩነታት ድማ ምስ መንግስቲ ፌደራል፣ መዳርግቲ ኣካላት ውዕሊ ፕሪቶሪያን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን እናተዛተየ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝከታተል ይኸውን።

ሓይልታት ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ድማ  ካብ ዝኾነ ዓይነት ውግንናን ረፅሚን ክልቲኦም ወገናት መሪሕነት ህወሓት ንባዕልቶም ነፃ ብምግባር ናይ ህዝቢ ፀጥታን ድሕንነትን ክሕልውን ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ንክጣየሽ ኣብ
ዝግበር ሰላማዊ ቓልሲ ግቡእ ድጋፍ ክገብሩን ከምኡ’ውን ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ድጋፎም ብግልፂ ከፍልጡን ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ፃዊዒት ኣቕሪቡ።