መቐለ፥ መስከረም 3/2017 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ዣይመን ቻይና ዝጀመረ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2024 ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ዓርብን ፅባሕ ቀዳምን ኣብ ብራስልስ ቤልጅየም ብዝካየዱ ውድድራት ክዛዘም እዩ።
ሎማዓንቲ ዓርቢ ኣብ ዝካየድ ውድድር 5 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ውድድር ውፅኢታዊ ጉዕዞ ዝነበሮም ኣትሌታት ሓጎስ ገ/ሂወትን በሪሁ ኣረጋውን ከራኽብ እዩ።
ኣትሌት ሓጎስ ገ/ሂወት ኣብ መርሃ ግብሪ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2024 ኣብ ከተማታት ኦስሎን ሮምን ኣብ ዝተሳለጡ ውድድራት 5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ብምዝዛሙ በቲ ርሕቐት ብሓፈሻዊ ውፅኢት ተዓዋቲ ክኸውን ዝለዓለ ቅድመ ግምት ብምርካብ እዩ ሎማዓንቲ ዓርቢ ሜዳ ክወርድ።
ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024 ካብ ድሕሪት ተበጊሱ ሜዳሊያ ብሩር ዓወት ብምምዝጋብ ልዑል ክብሪ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ስሌስያ ካልኣይ ደረጃ ዘመዝገበ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ውን ካሊእ በቲ ርሕቐት ዓወት ከመዝግብ ተኽእሎ ዘለዎ ኣትሌት እዩ።



ብ 5 ሽሕ ሜትሮ ኣብ ዝካየድ ውድድር ካብ ኣትሌታት ሓጎስ ገ/ሂወትን በሪሁ ኣረጋውን ብተወሳኺ ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጀልቻ ን ጥላሁን ሃይለን ውን ክሳተፉ እዮም።
ዛዛሚ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2024 ብተመሳሳሊ ቀዳም ኣትሌታት ፍረወይኒ ሃይሉ፣ ፅጌ ገ/ሰላማ ፣ ብርቀይ ሓየሎምን ፎትየን ተስፋይን ዝሳተፋሉ ውድድር ብምትእንጋድ ክቕፅል እዩ።
ፍረወይኒ ሃይሉን ብርቀይ ሓየሎም በ1500 ሜትሮ ፅጌ ገ/ሰላማን ፎትየን ተስፍይን ድማ ብ5 ሽሕ ሜትሮ ክወዳደራ እየን።
እጅጋየሁ ታየ፣ መልክናት ውዱ፣ ፋንታየ በላይነህ ፣ መዲና ኢሳ፣ ደርቤ ወልተጂን ወርቅነሽ መሰለን ኣብቲ ውድድር ዝሳተፋ ካልኦት ኣትሌታት እየን።
ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሉ ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2024 ኣብ ዶሃ ቀዳመይቲ ኣትሌት ፅጌ ገ/ሰላማ ኣብ ዪጂን ቀዳመይቲ ኣትሌታት ብርቀይ ሓየሎምን ፎትየን ተስፋይን ድማ ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ዣይመንን ራባትን ዘመዝግብኦ ውፅኢት ተፀራሕቲ እዮም።
ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2024 በብርሕቐቱ ብድምር ነጥቢ ተዓወቲ ንዝኾኑ ኣትሌታት ዕለተ ቀዳም ሽልማት ዋንጫን ገንዘብን ክብርከተሎም እዩ።
#ክብሮም ተስፋይ