Home ዜና ብሕፅረት ነዳዲ ማሕበራውን ቁጠባዊን ቁልዉላዉ ኣብ ትግራይ

ብሕፅረት ነዳዲ ማሕበራውን ቁጠባዊን ቁልዉላዉ ኣብ ትግራይ

1446

ቅድሚ ወራር ወርሓዊ 12 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ትጥቀም ዝነበረት ትግራይ ሕዚ ግና ብሰብኪ ዕፅዋ ፀላእቲ ነዳዲ ብዘይምርካባ ሕብረተሰብ ንማሕበረ ቁጠባዊ ቁልዉላዉ ተሳጢሑ ምህላዉ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትርን ትግራይ ኣፍሊጡ።
ትግራይ ካብ 203 ዓ/ም ጀሚራ ክሳብ ሕዚ ዝረከበቶ ነዳዲ ከምዘየለ ግዝያዊ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድድን ኢንዳስትርን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ ኣረጋዊ ገሊፆም። ገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ነዳዲ ብዘይምህላዉ ዓርሶምን ዝመርሕዎ ስድራን ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከምዝተገደዱ ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ #ትግራይ ዝተነበረ ክባን ዕፅዋን ንምፍንፃሕ እንኮ መማረፂ ዝተጀመረ ቃልሲ ምሕያል እዩ ዝበሉ እቶም ግዝያዊ ሓላፊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ነዳዲ ብምክልካል ጥራሕ ኣይኮነን ዝሃስዩና ዘለዉ ¬¬ጥሜት ከም መሳርሒ ኩናት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ #ጀኖሳይድ እናፈፀሙ እዮም በዚ ድማ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ደጀንን ግንባርን ዓሲሉ ከቃለስ ፀዊዖም።
ብሳራ ኣብራሃለይ