Home ዜና ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ መደባትን ዜናታትን ብምድላው እዋናዊ ድሌት ሓበሬታ ተመልከቲ ንምምላእ ይሰርሕ ኣለኹ...

ብመፅናዕቲ ዝተደገፉ መደባትን ዜናታትን ብምድላው እዋናዊ ድሌት ሓበሬታ ተመልከቲ ንምምላእ ይሰርሕ ኣለኹ – ኤመሓት

672

መቐለ፥9 ለካቲት 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ህዝቢ ዘማእኸሉን ብመፅናዕቲ ዝተደገፉን መደባትን ዜናታትን ብምድላው እዋናዊ ድሌት ሓበሬታ ተመልከቲ ንምምላእ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ተሻለ በቀለ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ 6 ኣዋርሕን ትልሚ ቀፀልቲ 6 ኣዋርሕን ንግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ኤመሓት ኣብ ፈተንቲ እዋናት ኮይኑ ውን ድሌት ሓበሬታ ተኸታተልቲ ንምምላእ ፃዕሪ ክገብር ፀኒሑ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብፍላይ ንሚድያ ብኣሉታ ይኹን ብኣውንታ ዝፀሉ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ተሻለ ብፍላይ ኣብ መንጎ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ኤመሓት ከም ህዝባዊ ሚድያ ሚዛኑ ከይሰሓተ ፣ትካላዊ ኣሰራርሕኡ፣ነፃነቱን ሞያዊ ሰነ-ምግባር ጋዜጠኛታቱን ዝተፈተነሉን ዝተፈተሸሉን እዩ ኢሎም።

መንቀሊ ፖለቲካዊ ኣፈላላይን መፍትሒኡን ኣብ ምንፃርን ንኽልቲኦም ኣካላት ኣብ ምዝርራብን ግና በቲ ዝድለ ኣይተሰርሐሉን ኢሎም።

ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝበፅሑዎ ዘለው ፀቕጥታትን ፈተናታትን ተፃዊሩ ዝተጣየሸሉ ዕላማ፣ ሞያዊ ኣሰራርሓን ሰነ – ምግባርን መሰረት ብምግባር እዋናዊ ድሌት ሓበሬታ ህዝቢ ንምምላእ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ኣረዲኦም።

ቴሌቪዥን ትግራይ ብ 8 ቋንቋታት ንህዝቢ ተበፃሓይ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ተሻለ ብፈነወ ቴሌቪዥን፣ሬድዮን ኦንላይንን እዋናዊ ሓበሬታታት ኣብ ምቕራብ ይነጥፍ ምህላው ኣብሪሆም።

ሬድዮ ትግራይ ናብ ዞባታትንተ ገፀራትን ተበፃሒ ንምግባር ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሴን ዓዲ ግራትን ኣብ 2017 ዓ/ም ፈነወ ኤፍኤም ንምትካል ይስራሕ ከም ዘሎ ውን ኣረዲኦም።

ሓደሽቲ ቅድታት ዜናታትን መደባትን ብምትእትታው ዝሐሸ ተደማፅነት እናረኸበ እንትኾን ንቐፃሊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ እዩ ኢሎም።

መብዛሕቲኦም ኣመራርሓ ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ዘይምዃኖም እኹል ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣብ ምብፃሕ ንፅገም ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም።

ምፍርራሕን ክልኸላ ሓበሬታን ሰለ ዘሎ ሰብ ሞያ ከለላ ክግበረሎም እውን ንግዝያዊ ቤት ምኽሪ ሓቲቶም ኣይተ ተሻለ።

ኤመሓት ዘለው መሳርሕታት እናፀገነን ብዝኸኣሎ እናተከአን ክሳብ ሐዚ ምፅንሑ ብምግላፅ ብሕፅረት ናውቲ ፈነወ ቴሌቪዥን ብሃንደበት ደው ክብል ከም ዝኽእል ተረዲኡ እቲ ቤት ምኽሪ ናውቲ ክማላእ ንክገብር ሓቲቶም።

ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብን ትልምን 6 ኣዋርሕ ኤመሓት ብኣባላት እቲ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ሕቶታትን ርኢቶታትን ቀሪቦም ብኣይተ ተሻለ መብርሂ ተዋሂቡዎም እዩ።

ኤመሓት በዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሓበሬታ ንህዝቢ ምብፅሑን ኣብ ትሕዝቶታቱ ዝሓሸ ለውጢ ምምፅኡን ብኣባላት ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ብኣውንታ ዝተልዓሉ እንትኾኑ ንቐፀልቲ ሰራሕቲ ኣብ ዘድሊ ሃፍቲ እቲ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ትኹረት ከም ዝገብረሉ ተገሊፁ።

ብኪሮሰ መሓሪ