Home ስፖርት ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይካየድ ኣብ ዘሎ ቅድድም ብሽክሌታ

ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይካየድ ኣብ ዘሎ ቅድድም ብሽክሌታ

52

ብምኽንያት በዓል መስቀል ኣብ ከተማ ዓዲግራት ይካየድ ኣብ ዘሎ ቅድድም ብሽክሌታ ብማዉንቴን ደቂ ተባዕትዮ ናሆም መዝገቦ ካብ ራይት ማይ ዓድግራት ብ ኮርስ ደቂ ኣንስትዬ ድማ ምዕራፍ ገ/ሄር ካብ መስፍን ኢ/ኢንጂነሪንግ ተዓዋቲ ኮይኖም።

መቐለ፥መስከረም 7/2017 ዓ/ም(ቴሌቪዥን ትግራይ)

ሎሚ ዕለተ ሰሉስ ኣብ ዝቐፀለ መበል16 ቅድድም ብሽክሌታ ብዓል መስቀል ዓጋመ 2017 ብዉድድራት ማዉንቴን ደቂ ተባዕትዮን ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮን ተሳሊጡ። 40 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነን 8 ዙራት ዝነበሮን ማዉንቴ ደቂ ተባዕትዩ ኣብ ፈላማይ መድረኽ ብዘጋጠመ መዉደቅቲ ብሽክሌተኛታት ተቐዳደምቲ በብጉጅለ ተኸፋፊሎም ክነሓነሑ ዉዒሎም ።

ኣብ መወዳእታ ቅፅበታዊ ቮላታ ማውንቴን ተባዕትዬ ናሆም መዝገቦን ኣዶናይ ፊልሞንን ካብ ጋንታ ራይት ማይ ዓድግራት ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ እንትዕወቱ ለገሰ ሰለሙን ካብ ጋንታ ግልጋሎት ማይ ዓድግራት ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።

ተቐዳደምቲ ንዝተመደበሎም ርሕቐት ንምዝዛም ብሰዓት 39.26 ኪሎ ሜትሮ ተጓዒዞም እዮም።

ብጋንታ ድምር ነጥቢ ጋንታታት ራይት ማይ ዓድግራት ፣ ግልጋሎት ማይ ዓድግራትን ሰፋድል መባእታዊሆስፒታል ዓድግራትን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚመን። ፕሮጀክት ሃ/መለኮትን ሙሉብርሃንን ራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ሒዞም።

ቀፂሉ ኣብ ዝተሳለጠን 60 ኪሎ ሜትሮን 12 ዙር ዝሸፈነ ቅድድመ ብሽክሌታ ኮርሶ ደቂ ኣንስትዮ ተደጋገምቲ ምቅያር ብሽክሌታን መወደቅትን ዝነበሮን ንተመልከቲ ዝስሕብ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተኻደሉን ኣብ መወዳእታ ቮላታ ኮርሶ ደ/ኣንስትዬምዕራፍ ገ/ሄር ካብ መስፍን ኢ/ኢንጂነሪንግ ሄለን ፍስሃ ካብ ትራንስ ኢትዮጵያ ገነት መኮነን ካብ መቐለ 70 እንደርታ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።

መስፍን ኢ/ኢንጂነሪንግ፣ ትራንስ ኢትዮጵያን መቐለ 70 እንደርታ ብቅደም ስዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዛ ጋንታታት እየን።

እቲ ወድድር ረቡዕ ብማዉንቴን ደቂ ኣንስትዮን ኮርሶ ደቂ ተባዕትዮን ክቕፅል እዩ።

#ሓበን ካሕሳይ