መቐለ፥ 12 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ምቁርራፅ መብራህትን ሕፅረት ትራንስፎርመርን 1050 ትካላት ማኑፋክቸሪንግ ስርሐን ጠጠው ከም ዘበላን ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይሰርሕ ከም ዘሎን ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ገሊፁ።
ኣብ 2012 ዓ.ም ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር መንግስቲ ብዝሃቦም መስርሒ ቦታ ብልዕሊ 6 ሚኢቲ ሽሕ ብር መበገሲ ካፒታል ስራሕ ከም ዝጀመሩ ኣባላት ማሕበር ስኒት ዕንፀይቲ፣ ጣውላን መስትያን መንእሰይ ሓጎስ መዓሾ፣ ከዲር ኑርሑሴንን ፊልሞን ሓየሎምን ይዛረቡ።
ቅድሚ ኲናት ንብርክት ዝበሉ ወገናት ዕድል ስራሕ ፈጢሮም ከም ዝነበሩ ዝገልፁ እዞም ወገናት፣ ድሕሪ ሰምምዕ ፕሪቶርያ ነቲ ስራሕ ብውሱን መልክዑ ዋላ እንተጀመርዎ፣ ብሰንኪ ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህትን ፀገም ትራንስፎርመርን ግና ስርሖም ጠጠው ከብሉ ከም ዝተገደዱ የረድኡ።
እቲ ፀገም ክፍታሕ ናብ ክፍለ ከተማ ይኹን ክልል ዝምልከቶ አካል ብተደጋጋሚ ሓቲትና ኢና ዝበሉ እዞም ወገናት፣ ይኹን እምበር ክሳብ ሐዚ ፍታሕ ከም ዘይረኸቡ ይዛረቡ።
ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ማኑፋክቸሪንግ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣይተ ገ/ስላሴ ብርሃነ እቲ ፀገም ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ክፍለ ከተማ ከምዝኾነ ብምግላፅ፣ ዛጊድ እውን ኣብታ ክፍለ ከተማ ብሰንኪ ምቁርራፅ መብራህትን ሕፅረት ትራንስፎርመራትን ልዕሊ 700 ትካላት ማኑፋክቸሪንግ ስርሐን ጠጠው ኣቢለን እየን ኢሎም።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢንዳስትሪ ትግራይ ኣይተ መሓሪ ገ/ሚካኤል ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ፀገም 1050 ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ስርሐን ጠጠው ከም ዘበላ ገሊፆም።
እተን ብሰንኪ ሕፅረት ትራንስ ፎርመርን ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህትን ናብ ስራሕ ዘይኣተዋ ትካላት ማኑፋክቸሪንግ ናብ ስራሕ ንምእታውን ነቲ ፀገም ንምፍታሕን ድማ ምስ ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ንዘራረበሉ አለና ኢሎም።
መንግስቲ ፌደራል ዘላቒ ፍታሕ ክሳብ ዝህበሉ ግን ዝተበላሸዋ ትራንስፎርመራት ተፀጊነን ግልጋሎት ንክህባ ይስራሕ ከም ዘሎ ድማ እቶም ምክትል ሓላፊ ኣገንዚቦም።
#ኢየሩሳሌም_ገ/መድህን