Home ዜና ብተስፋ ዝተላዕጠጠ ስቓይ ተመዛበልቲ

ብተስፋ ዝተላዕጠጠ ስቓይ ተመዛበልቲ

305

መቐለ፥ ሰነ 13/2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ጥቅምቲ 24/2013 ዓ.ም ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጄኖሳይዳዊ ኲናት ኣዊጆም።

ነዚ ስዒቡ ብሚልዮን ዝቑፀር ህዝቢ ካብ ዞባ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ገሊኡ ካብ ደብዳብን ጨፍጫፍን ንምህዳም ገሊኡ ድማ ተገዲዱ ብግፍዒ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ ከባቢ ተበቲኑ።

እቲ ብዓይኒ ዕሙተይ መረበቱ፣ ሃፍቱን ንብረቱን ገዲፉ ቅያር ክዳን እኳ ከይሓዘ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይጓዓዝ ካብ ዝነበረ ተመዛባላይ፤ ዉሕስ ናብ ዝበሎ ከባቢ ከይበፅሐ ገሊኡ ብሕማምን ጥሜትን ገሊኡ ድማ ብኣፅዋራት ፀላኢ ኣብ መንገዲ ዝተረፈ ቆፂርካ ዝዉዳእ ኣይኮነን።

ዕድል ገይሩ “ከዕቑበኒ እዩ” ናብ ዝበሎ ከባቢ ዝበፅሐ ህዝቢ እውን እንተኾነ ማሙቕ ገዝኡ እናናፈቐ ኣብ ፎቖዶ ኬንዳ ካብ ዝድርበይ እነሆ ሓምሻይ ዓመቱ ክመልእ ሓምሻይ ክረምቲ ኣትዩዎ።

ዳርጋ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ስሩዕ ቁመነእን ተቐይሩ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ካብ ዝኾና ዓመታት ተቖፂሩ።

ብሎሚ ፅባሕ ናብ መረበቱ ክምለስ ሃንቀዉ ኢሉ ይፅበ ዘሎ ተመዛባላይ ብተስፋ ዝተላዕጠጠ ናብራ ስቓይ እናሕለፈ ብዘይጭበጡ መፅብዓታት ዘይተንፀቀቐ ተስፋኡ ሰኒቑ ብጥሙይ ከብድን ዕሩቕ ዝባኑን ሃፍታም መሬቱ ይናፍቕ።

ብፍላይ ድሕሪ ዉዕሊ ፕሪቶርያ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ተስፍኡ ሓደ ሻዕ ዝበርሀ መሲሉ መሊሱ እናቐሃመ ዝኸፍእ ናብራ ኣብ ምምራሕ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ጉዳይ ተመዛበልቲ ንምዕዛብ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ምስ ዘምርሑ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ናብኡ ከም ዘቕነዐ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ እዋን ምስ ተመዛበልቲ ኣብ ዝገበርናዮ ፃንሒት “ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን መድሓኒትን መዓልታዊ ሬሳ እናቐበርና ንነብር ኣለና።” ኢሎም ሓቢሮሙልና።

እዞም ኣብ ከተማ ሽረ ዳስላሴ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ቤት ትምህርቲ ፀሃየ ዘዕቘቡ ተመዛበልቲ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝነበርዎ ህይወት ኣብ ዝኸፍእ ኩነታት ኮይኖም ከም ዝሓለፉዎ ይገልፁ።

ኩነታት መነባብሮኦም ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናሓመቐ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን ሓገዝ መንግስቲ ኣሜሪካን ካልኦት ትካላት ገበርቲ ሰናይን ደዉ ምባሉ ድማ ፀገምና ኣጋዲድዎ እዩ ዘሎ ኢሎም።

ዓሚ ክረምቲ ብማይ ተዕለቕሊቖም ብዙሓት ሰባት ከምዝሞትዎምን፤ሎሚ ዓመት እዉን ቅድሚ ክረምቲ ደፊኡ ምእታዉ መፍትሒ እንተዘይረኺቦም እቲ ሓደጋ ዝኸፍአ እናኾነ ይኸይድ ከም ዘሎን ምግላፆም ይዝከር።

ህፃናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም፣ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ህይወተን ንምምራሕ ናብ ዘየድሊ ስራሕ ወፊረን፣ እቲ ካልእ መንእሰይ ድማ እግሩ ናብ ዝመርሖ ዳግም ኣደዳ ስደት ምዃኑ እውን ሓቢሮሙልና እዮም።

መራሕትና ትኹረቶም ኣብ ክንዲ ንዝተመዛበለ ህዝቦም ምምላስ ዝኸዉን ናብ ዉጥጥ ስልጣንን ህልኽን ምእታዎም ዉድቀቶም እዩ ዘመላኽት ዝበሉ እቶም ተመዛበልቲ፤ ክንድሕን እንተኾይንና ሰላምናን ሓድነትናን ክነዉሕስ ይግባእ ይብሉ።

“ኣብዚ ሓምሻይ ክረምቲ ክንነብር ኣይንደልን። እቲ እንኮ መማረፂ ናብ መረበትካ ምምላስ ምዃኑ ተገንዚቡ ዝምልከቶ ኣካል ብትኹረት ክሰርሓሉ ኣለዎ።” መልእኽቲ እቶም ተመዛበልቲ እዩ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ 18 ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኣለዋ፤ ቤት ትምህርቲ ፀሃየ ድማ ልዕሊ 37 ሽሕ ትንፋስ ኣዕቚቡ ዝርከብ ዝዓበየ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ እዩ።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ቤት ትምህርቲ ፍረ ስወኣት ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዑደት ብምክያድ ምስ ተመዛበልቲ ተራኺቦም ነይሮም። ብዝረኣዩዎ ነገር ከም ዝሓዘኑን፣ ተመዛበልቲ ክነብርዎ ዘይግባእ ህይወት ይነብሩ ከም ዘለዉን ምዝራቦም እውን ይዝከር።

“ተመዛበልቲ ኣብ ሕማቕን ከቢድ ኩነታትን ኣለዉ፤ እዚ ድማ ህፁፅ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ብምዃኑ ብትኹረት ክንሰርሐሉ ኢና።” መልእኽቲ እቶም ኣምባሳደር ነይሩ።

ተመዛበልቲ ብወገኖም ኣብ ከቢድ ኩነታት ከም ዘለዉ ብምግላፅ፤ “ተደጋጋሚ ዑደት ዘይኮነስ ቅልጡፍ መፍትሒ ኢና ንጠልብ።” ምባሎም ፀብፂብና ኢና።

እቶም ተመዛበልቲ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ሰሪሖም ክነብሩ ዘለዎም ድሌት ልዑል ከም ዝኾነን፤ ኩሉ ዝተዓዘቡዎ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ከም ዘፍልጡ ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብቲ እዋን ሓቢሮም።

“ኣብ ዝነኾለ ዳስ ሓምሻይ ክረምቲ ክንከርም ኣይንደልን፤ ንሕና ብኪሎታት ዘይኮነስ ብኩንታላት ኣፍሪና ንኣቱ ፃዕራማት ሰራሕተኛታት ኢና ነይርና።” ዝበሉ ተመዛበልቲ፤ “ሕዚ እዉን ሰሪሕና ክንነብር ናብ ዓድና ምለሱና።” ብምባል ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ምሕታቶም ይፍለጥ።

ካብ ዉዕል ፕሪቶርያ ንደሓር ጥራሕ ኣብ ከተማ ሽረ ኣዕቚቦም ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብጥምየትን ስእነት መድሓኒትን 1309 ሰባት ከም ዝሞቱ ምኽትል ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተስፋማርያም ገብረመስቀል ይገልፁ።

ብሂወት ዘሎ ተመዛባላይ እዉን ብዝረኸቦ ኣንፈት ናይ ዓቕሊ ፅበት ጉዕዞ እናኸደ ተበታቲኑ ይጠፍእ ከምዘሎ ብምሕባር ካብ ሱዳን ብሸራሮ ገይሮም ዝመፁ 2755 ወገናት ኣብ ቀረባ እዋን ከም ዝተቐበሉ ሓቢሮም።

ድሕሪ ዉዕል ፕሪቶርያ ጥራሕ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ልዕሊ 1300፣ ኣብ ዞባ ማእኸል 225፣ ኣብ ዞባ ምብራቕ ልዕሊ 31፣ ኣብ መቐለ 43 ሰባት ብሕማምን፣ ጥሜትን ሕፅረት መድሓኒትን እንትሞቱ ናብ ሱዳን ካብ ዝተሰደደ ልዕሊ 70 ሽሕ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ድማ ኣብ ኡምራኩባ ልዕሊ 350፣ ኣብ ተነድባ 300 ፣ ኣብ ሓንሸባ ድማ 20  ተጋሩ ከምዝሞቱ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ድወት ዘውፀኦ ፀብፃብ የመላኽት።

ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ዉድብ ህወሓትን ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይን ስፍሕ ዝበለ ዘተ ምክያዶም ይዝከር።

ምክትል ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣስፋ ምስቶም ኣምባሳደር ኣብ ዝነበሮም ዘተ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብ ዝምለሱሉ መንገዲ ሰፊሕ ዘተ ከም ዘካየዱን ክሳብ ሽዑ ድማ ተቛሪፁ ዘሎ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቕፅል ዘኽእል ዘተ ምክያዶም ምግላፆም ይዝከር።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ጉንበት 13/2017 ዓ.ም. ኣብ መንበሪ ገዛ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ተረኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ጠሚቶም ድሕሪ ምዝታዮም “ቀዳማይ ሕቶና ዝተመዛበሉ ወገናትና  ናብ መረበቶም ምምላስን ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይ ምርግጋፅን እዩ።” ከምዝሓበሩሎም እውን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝሃቡዎ መብርሂ፣ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም  ኣብ መዕቆቢ ማእኸላት ንምግላፁ ዝድንፁ ህይወት ክደፍኡ ዝተገደዱ ተመዛበልቲ ወገናት ምምላስን ምርግጋፅ ሕገ መንግስታዊ ወሰን ትግራይን ቀዳምነት ዝወሃቦ ውራይ እዩ።

ኩሎም ጠለባት ብመሰረት ውዕል ፕሪቶሪያ ንምምላስ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ብምዝርራብ ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ፕረዚደንት ታደሰ፣ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ሓውሱ እቲ ውዕል ክኽተም እጃም ዝነበሮም ኩሎም  ኣካላት እወንታዊ ኣበርክትኦም ክቕፅልሉ ምፅወዖም ይዝከር።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ  ብወገኖም፣ ውዕል ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ክፍፅምን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተሓንገጦም ዕማማት ብዕውት ኣገባብ ክፍፅምን መንግስቶም ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፆም ይፍለጥ።

ክረምቲ ክኣትው ኣብ ዝተቓረበሉን ተርእዮ ዝናብ ኣብ ዝጀመረሉን እዋን ኮይኖሞ “ሓምሻይ ክረምቲ ኣብዚ ኣይንኸርምን ‘ይኣክል’ ” ብዝብል ኣብ ከተማ መቐለ ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ተመዛበልቲ ካብ ሰነ 11-13 2017 ዓ.ም. ይካየድ ዘሎ እንትኸውን ሎማዓንቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ሒዙ ኣሎ።

ኣብቲ ሰልፊ ስቓይ ተመዛበልቲ ዝገልፁ ፅሑፋትን ምርኢታትን ዝቐረቡ እንትኾኑ ስቓይ ተመዛበልቲ ከብቅዕ ዝምልከቶም ኣካላት ትኹረት ክህቡ ዝሓትት ሰልፊ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሎማዓንቲ ሰነ 13/2017 ዓ.ም. ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብያተ ዕዮኦም ብምዕፃዉ ዝተሳተፉሉ ሰልፊ ድማ ዝተፈላለዩ መልእኽቲታት ተሰሚዖም ኣለዉ።

ንዑደት ስራሕ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ፕረዝደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ  ፤ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዘዘለሉ ኮይኑ ኣብ ተመዛበልትና ዝበፅሕ ዘሎ ስቓይ ይኣክል ክብል እፅውዕ ክብሉ ተሰሚዖም።ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ውን እዚ ጭርሖ ካብ ምዃን ሓሊፉ ቱ ይኣክል ዝብል ተግባራዊ ዝኾነሉ፣ናይ ብሓቂ ‘ውን ዝኣኽለሉ ኩነታት ንምፍጣር ካብኡ ዘድሊ ኹሉ ክገብር እዩ።

ሰለማዊ ሰልፊ “ይኣክል ሓምሻይ ክረምቲ ኣብ ኬንዳ” ኣብ ሱዳንን ስዊዘርላንድ ጄኒቫን ዝተኻየደ እንትኾን ፤ ድሕሪ ቡዙሕ እዋን ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ድምፂ ዓው ኢሉ ድምፁ ዘስመዐሉ ሰልፊ እዩ።

ተመዛበልቲ ወገናት ድሕሪ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ተግባራዊ ስራሕ ከምዝመፅእን ተወሳኺ ሰልፊ ከምዘየካይዱን ተስፋ ሰኒቖም “ይኣክል” ኢሎም ኣለዉ።

#ብህሊና_ኣርኣያ