መቐለ፥ 1 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ብትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይፍ ዝተዳለወ ንሓዱሽ ሂወት ህፃናት ሎተሪ ቶምቦላ ሎሚ 1 ጥቅምቲ 2017 ዓ/ም ዕላዊ ስነ-ስርዓት ዕፃ ምዉፃእ ተካይዱ።
ብዝወፀ ዕፃ መሰረት 1ይ ዕፃ ብኤሌክትሪክ ትሰርሕ ናይ ገዛ መኪና ተዓዋቲ 0082126፣ 2ይ ዕፃ ብኤሌክትሪክ ትሰርሕ ሞተር ሳይክል 0086399፣ 3ይ ዕፃ 55 ኢንች ቴሌቪዥን 0082882፣ 4ይ ዕፃ ፍሪጅ 0065533፣ 5ይ ዕፃ ስማርት ሞባይል 0024905፣ 6ይ ዕፃ ስማርት ሞባይል 0085803 እየን።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ፅጋቡ ተክለሃይማኖት 100 ሽሕ ትኬት ብምሻጥ 10 ሚሊዮን ብር ንምርካብ ተሓሲቡ ዝነበረ እንትኾን ኣብ ዞባታት ብዝተደለየ መጠን ክሽየጥ ብዘይ ምኽኣሉ 23 ሽሕ ትኬት ጥራሕ ከምዝተሸጠ ገሊፆም።
እቲ ሎቶሪ ንኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ዝፀንሐ ኮይኑ ኣታዊኡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ወለዶም ንዝሰኣኑን ፀገም መነባብሮ ንዘለዎምን ህፃናት ንመንበሪ ዝኸውን ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መሰቦ ንምስራሕ ዓሊሙ ዝተዳለወ እዩ።
እቲ ማእኸል መሐብሐቢ ኣብ 5000 ካሬ ሜትር ዝዓርፍ ኮይኑ ጠቅላላ ወፃኢኡ 50 ሚሊዮን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ህንፀት እቲ ማእኸል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንምዝዛምን 300 ህፃናት ንምሓዝ ትልሚ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ትካል ገባሪ ሰናይ ኒው ላይፍ ብ2014 ዓ/ም ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረከበ እንትኸውን 45 ህፃናት ኣብቲ ማእከል ተሓቂፎም ከምዝርከቡን ብደገ ድማ ን50 ህፃናት ሓገዝ ዝገብር ትካል ምዃኑ ይፍለጥ።