መቐለ፥ 8 ታሕሳስ 2017 ዓ/ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፕሮግራም ዝተዋደደ ምዕሩይ ኩነታት ኣየር ንምምሕያሽ መነባብሮ ኣብ ትግራይ ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ኢምባሲ ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ኮይኑ።
መንግስቲ ኣየርላንድ ብዝገበሮ 3 ሚሊዮን ዩሮ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣብ ትሽዓተ ወረዳታት ትግራይ ተግባራዊ ከምዝኸውን መተሓባባሪ እቲ ፕሮግራም ኣይተ ዮሃንስ ሓለፎም ገሊፆም።

ጉለመኸዳ፣ ፀርኣ ወንበርታ፣ ራያ ጨርጨር፣ 20 ዓዲ ወጀራት፣ ስለዋ፣ ሰሓርቲ፣ የጭላ ኣበርገለ፣ቀይሕ ተኽሊን ታሕታይ ማይጨውን ተጠቀምቲ እቲ ፕሮጀክት ዝኾና ወረዳታት እየን።
በቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 75 ሽሕ ኣብ ዝኸፍአ መነባብሮ ዝርከቡ መራሕቲ ስድራ ተጠቀምቲ ከም ዝኾኑ ዝገለፁ መተሓባበሪ እቲ ፕሮጀክት ካብዚኦም እተን ልዕሊ 23 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ሓቢሮም።
እቲ ናይ መጀመርታ ፕሮግራም ብ1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ዩሮ ከም ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ኣብ 2024 ተግባራዊ ዝኸውን እዩ ኢሎም።
ዳይሬክተር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማሕበራውን ልምዓታውን ኮምሽን ጨንፈር ዓዲግራት ኣባ ኣብርሃ ሓጎስ ህዝብን መንግስትን ኣየርላንድ ንዝገብርዎ ዘለዉ ዘይተሓለለ ሓገዝ ምስጋና ኣቅሪቦም።

ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ፅንተታዊ ኲናት ሂወት ሰብ ካብ ምጥፋእ ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓታት፣ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ተሰሪቖምን ዓንዮምን እዮም።በዙይ ድማ ብፍላይ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ብዝለዓለ ብርኪ ተሓስዮም እዮም ኢሎም ኣባ ኣብርሃ።
ምኽትል ኣምባሳደር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ፌርጋል ራያን ኣየርላንድ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ብዝተፈላለዩ መደባት ኣብ ትግራይ ሓገዝ ክትገብር ምፅናሓ ገሊፆም።
ሕዚ እውን ብኲናትን ብምዝባዕ ኩነታት ኣየርን ዝተሃሰየ ቁጠባ ሓረስታይ ትግራይ ንምድጋፍ ንክልተ ዓመት ዝፀንሕ ፕሮጀክት ዕላዊ ምግባራ ኣፍሊጦም።

እቲ ፕሮጀክት ከም ኣቆፃፅራ አውሮፓውያን ካብ 2024 ክሳብ 2026 ዝፀንሕ ኮይኑ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ማሕበራውን ልምዓታውን ኮምሽን ጨንፈር ዓዲግራት፤ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ፣ ኢንስቲቱት ምርምር ሕርሻ ትግራይን ዓለምለኸ ማእኸል ምርምር ኣግሮፎሮስትሪን ብሓባር ብምዃን ዝትግብርዎ እዩ።