መቐለ፥ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝምድቡን ዝምደቡን ዘለዉ ሰባት መንግስታዊ ሓላፍነት ሒዞም ኣብ ዝኾነ ይኹን መድረኽን ዋዕላን ክሳተፉ ከምዘይግባእ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፅ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝደንት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።
እቲ መግለፂ “ጉባኤ ኣካይደ ኣለኹ ዝብል ዘይሕጋዊ ጉጅለ” ኢሉ ዝፀወዖ ኣካል ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ብምጥንኻር ብቕሉዕ መንገዲ ዕልዋ መንግስቲ የካይድ ኣሎ ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዘይሕጋዊ ምደባታት እናካየደ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ምዕንቃፍን ኣብ ልዕሊኦም ዘየድሊ ፀቕጢ ካብ ምፍጣርን ብተወሳኺ ስራሕቲ መንግስቲ ኣብ ምልማስ ተፀሚዱ ከምዝርከብ ኣረዲኡ።
” ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነዚ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ኣልቦነት ክፃወር ከምዘይኽእልን በዚ “ዘይሕጋዊ ጉጅለ” ዝምደቡ ኣካላት ዘመሓድርዎ ህዝቢ ኮነ ዝኾነ ዓይነት ሃፍቲ እውን ኣይህሉን” ክብል ኣፍሊጡ።
ብምዃኑ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ መሓውር ፍትሕን ባንክታትን ነዚ ኩነታት ተረዲኦም ሕጋዊ ግቡኦም ክፍፅሙ ፀዊዑ።
“በብብርኩ ዝርከብ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ኣብ ትግራይ ብሕጋዊ መንገዲ ዝንቀሳቐሱ ኣካላትን ትካላትን፣ መንግስቲ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን “ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝምድቡን ዝምደቡን ዘለዉ ሰባት መንግስታዊ ሓላፍነት ሒዞም ኣብ ዝኾነ ይኹን መድረኽን ዋዕላን ክሳተፉ ኣይግባእን” ክብል ኣገንዚቡ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ 01 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ “እቲ ዘይሕጋዊ ጉባኤ ኣካይደ’ለኹ ዝብል ዘይሕጋዊ ጉጅለ መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፉ ዕላዊ ዝኾነ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ምፍፃምን ፍፁም ስርዓት ኣልቦነት ናብ ምስፍሕፋሕን ከምዝተሰጋገረ” ገሊፁ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ።
