መቐለ፥17 ታሕሳስ 2017 (ቴሌቭዥን ትግራይ)
ብገበን ቅትለት ዝተኸሰሰ ውልቀሰብ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ፈሪዱ።
20 መጋቢት 2016 ዓ.ም ምሸት ሰዓት 1:30 ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ጣብያ 03 ኣብ ልዕሊ ወ/ሮ ቅድስቲ ነጋሲ ዝተባህለት ውልቀሰብ ግፍዓዊ ቅትለት ከምዝተፈፀመ መዝገብ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ሰሜን ምዕራብ የመላኽት።
ነባርነቱ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ሕፃፅ ዝኾነ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣይተ ሓየሎም ተ/ማርያም በየነ ብገበን ቅትለት ክሲ ዝቐረበሉ እንትኾን 2ይ ተኸሳሲ ኣይተ ኣብርሃ ኪዳነማርያም ድማ ቀዳማይ ተኸሳሲ ብናይ ባዕሉ ሞተርሳይክል ኣሳፊሩ ካብ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ሕፃፅ ናብቲ ገበን ዝተፈፀመሉ ቦታ ክመፅእን መዋቲት ወ/ሮ ቅድስቲ ነጋሲ ካብ መንበሪ ገዝኣ ክትወፅእ ብናይ ባዕሉ ስልኪ ብምድዋልን ተሓባቢሩ እዩ ብዝብል ከምዝተኸሰሰ መዝገብ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ የመላኽት።
ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣይተ ሓየሎም ተኽለማርያም ንበዓልቲ ቤቱን ኣዶ ቆልዑኡን ዝነበረት ወ/ሮ ቅድስቲ ነጋሲ” ንምንታይ ኣይደልየካን ኢልኪ ገዲፍክኒ” ብዝብል ቂም ብካራ ኣብ ኣፍልባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካላታ ደጋጊሙ ብምውጋእን ሂወታ ክሓልፍ ብምግባርን ኣብ ኢ.ፌ.ዴ.ሪ ገበን ሕጊ ኣዋጅ ቁፅሪ 539 ቁፅሪ 1(ሀ) ዝተደንገገ፤ ሰብ ንምቕታል ዝነበሮ ሓሳብ ወይ ድማ ምኽንያት ዝተጠቐመሉ ሜላን መሳርሕን ጭካነ ዝተመልኦ ኣፈፃፅማ ኣብ ልዕሊ ዝተፈፀመ ገበን እንትህሉ መቕፅዒ ተባሂሉ ዝተደንገገ ሕጊ ተመሓላሊፉ ስለዝተረኸበ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ሰብን ፅሑፍን መረዳእቲ ኣኪቡ ክሲ ብምምስራት ናይ ቅፅዓት ውሳነ ንምሃብ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ እዩ።

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ምድብ መጋባእያ ሽረ እንዳስላሰ ንዝቐረበሉ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ብምርኣይ ናይ ተኸሰስቲ እምነት ክሕደት ቃል ብምስማዕ ቅፅዓት ውሳነ ንምሃብ 27 ሕዳር 2017 ዓ.ም ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣይተ ሓየሎም ተ/ማርያም በየነ ብዝቐረበሉ ክሲ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ፈሪዱ።
ካልኣይ ተኸሳሲ ኣይተ ኣብርሃ ኪዳነማርያም ሃይለ ብወገን ዓቃቢ ሕጊ ዝቐረበ ክሲ ንቤት ፍርዲ ከእምን ብዘይምኽኣሉ ብነፃ ብምስንባት ቤት ፍርዲ ንዓቃቢ ሕጊ ናይ ይግበአኒ መሰል ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ጥፍኣተኛ ዝተባህለ ውልቀሰብ ቅፅዓት ውሳነ ተግባራዊ ክግበር ኣዚዙ።
#ምሩፅ_ሃይለ