ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ዝተኣወጀ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ብምቅዋም ካብ ማእከላይ ኮሚቲ ህወሓት (ነባር) ዝተወሃበ መግለፂ
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ እቲ ሓደ ፀገምካ ከይተፈትሐ ካሊእ ፀገም እናተዳዕነነካን እናተፃዕነካን፡ ብሽምካ ዝሽቅጥ ንፀገምካ ከም ናይ ፖለቲካ ሃልኪ ዝጥቀም እናበዝሐ፡ ድሕንነትካ ትሕቲ ድሕንነት ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለን ጉባኤኡን ብምስራዕ “ውድብ” ክሳብ ትድሕን ይፅናሕ እናተባህለ ከምዝመፀ ናይ ኣደባባይ ምሽጥር እዩ።
ጊዚያዊ ምምሕዳር ናብ ህዝቢ እናወረደ ምስ ህዝቢ ከይዘራረብ ፀገማት ህዝቢ ከይሰምዕን ከይፈትሕን ማሓውራት ምምሕዳር ክሳብ ታሕቲ ዘርጊሑ ንህዝቢ ከየገልግልን ኮነ ተባሂሉ እናተሰንከለ መፂኡ እዩ። ንምንታይሲ ሓደ ድሑር ፖለቲካዊ ጉጅለ ከም ናይ ፖለቲካ ሃልኪ ክግልገለሉ ስለዝተደለየ ።
እዚ ድሑር ፀረ ሰላምን ናፋቒ ኲናትን ፖለቲካዊ ጉጅለ እዚ ጊዚያዊ ምምሕዳር ካብ ህዝቢ ብምንፃል ካብ ስልጣን ንምእላይ ሽም ምጥፋእ መራሕቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ሓዊሱ ዝፈሸለ ናይ “እምቢታ” መደብ ሒዙ ተንቀሳቒሱ እዩ ። ስስዐ ስልጣንን ንዋይን ዘዕወሮ ፀገማትን ሕቶታትን ህዝቢ መስምዒ ዘይብሉ እዚ ጉጅለ ሕሰምካ ብምግዳድን ብምንዋሕን ክነብር ዝደሊ ምዃኑ ካብዚ ንላዕሊ ካሊእ መረጋገፂ ኣየድሊዮን ።
ሕቶታት ከይተልዕል ተሸቑሪርካ ክትነብር ኣብ ፀገማትካን መፍትሕታትን ከይትዝቲ ምምሕዳራትካ ከይትመርፅ ከይትቈፃፀር ባዕለይ እየ ዝምድበልካ ኢሉ ሕገ መንግስታዊ መሰላትካ ዝጋሃሰን ዝግህስ ዘሎን ፖለቲካዊ ጉጅለ ዕድሚኡ ከናውሕን ብዘይስሩዕ መንገዲ ናብ ስልጣን ክድይብን ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን።
ንዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ኣገባብ ቃልሲ ዘይኣምንን ዘይቕበልን እዚ ጉጅለ ናይ ፀጥታ ሓይልታትና ከም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ክጥቀም ዝተፈላለየ ምንቅስቓስ እናገበረ መፂኡ እዩ። ገለ ኣመራርሓ ሚሊሻ ዞባታትን ወረዳታትን ተጠቒሙ ውሑዳት ሚሊሻታት ምምሕዳራትና ኣብ ምፍራስ ናይ ምምሕዳር ቢሮታት ኣብ ምስባር ምስባር ንብረትን ማሕተምን ሰነዳትን ምውራርን ተፀሚዱ ፀኒሑ እዩ።
ናይ ህዝብና ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዋልታን ኩርዓትን ዝኾኑ ሓይልታት ፀጥታ/ ሰራዊት ትግራይ ካብ ደረጃ ትግራይን መኸተ ትግራይን ኣውሪዱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ኣእቲዩ ናተይ እዮም እናበለ ንሽሞም፡ ዝንኦምን ቅየኦምን ብዘጉድፍ ኣገባብ ክጥቀመሉ ፀኒሑ እዩ ። በዚ ተግባር እዚ ጉጅለን ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንተግባርን መግለፅታትን እዚ ጉጅለ ዝምልከት ግቡእ መግለፂ እናሃቡ ብዘይምምፅኦምን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋል ህዝብና ጥርጣረን ስግኣትን እናፈጠረ መፂኡ እዩ። እዚ ግልፅነት ዘይነበሮ ኣካይዳ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ብዙሕ ጉድኣት ኣብፂሑ እዩ ።
ሓደ ቀንዲ ጉድኣቱ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ፀጥታት ትግራይ ናይ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ መተሓዳደሪ ደምቢ ብዘይፈቕዶ ኣገባብ ምስ ሓደ ፖለቲካዊ ጉጅለ ብሕቡእ ዝራኸቡን ናይዚ ጉጅለ ፖለቲካዊ መሳርሒ ዝኾኑን ውልቀ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ክፍጠሩ ከምዝካኣሉ ንርዳእ። እቲ ብሽም ህወሓት ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ነሓሰ፡ ፀረ- ጊዚያዊ ምምሕዳርን ፀረ-ነባር ውድብ ህወሓትን ዝገብሮ ዝነበረን ዘሎን ምንቅስቓስ በዞም ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ሰራዊትና ዘለው ውሑዳት ደገፍቱ ይድገፍን ናይ ፀጥታ ሽፋን ይወሃቦ ከምዝነበረን ናይ ኣደባባይ ምሽጥር እዩ።
እምበኣርከስ እዚ ሎሚ ዕለት ጥሪ 15/2017 ዓም ኣብ ትግራይ ታኣዊጁ ዘሎ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ኣመፃፅኡኡን ኣመዓእብሉኡን ንዚ ይመስል። ሕዚ ታኣዊጁ ዘሎ ኣዋጅ ጉጅለ ነሓሰ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝተፈተኑ ኩሎም መንገድታት ምስፈሸሉ ዝመፀ ቅሉዕ ዕልዋ መንግስቲ እዩ። ብወታሃደራዊ መንገዲ ብሽም ፈራሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ጉባኤ ዘካየደን፡ ንውድብ ነሓሰ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ማዓልታት ዝወሰደ ምምይጥ እናካየዱ እናሃለው እዚ ኣካይዳን ኣጀንዳን ዘይጠዓሞም ብዙሓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ንቲ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ረጊፆም ከምዝወፅኡ ሓበሬታት ኣለውና።
ውድብ ነሓሰ ዝሓዞን ዝኣተዎን ኩሉ ብስምረትን ምርድዳእን ዝተወደአን ዝውዳእን ከምዘየለ መወዳእትኡ ምብትታን ከምዝኾነ እዚ ናይ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ተወሳኺ መረጋገፂ ኮይኑ ኣሎ። ነባር ህወሓት በቲኑ ንባዕሉ ናብ ውድብ ነሓሰ ቀይሩ ኩሉ ኣባል ዘይተዋሕጠሉ ጉባኤ ኣካይዱ። ናይ ህዝቢ ትግራይ መተኣሳሰሪ ገመዳት እናበጣጠሰ መፂኡ እነሀለ ሕዚ ንቲ ዝተረፈት ዓባይ ገመድ ንምብታኽ ብኻራ ይሕግሕጋ ኣሎ ። ውድብ ነሓሰ ይትረፍ ሓድነትና እናኣጠንከረ ሓደሽቲ ትካላት እናሃፀ ክከይድ ዝነበረና እናጥፍአ እናበተነን እናቃፀለን ዝኸይድ ዘሎ ፀረ-ሓድነትና እዩ።
በዚ መሰሪ ኣካይድኡ ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀፅታ ትግራይ ኣብ ክልተ ጉሚዕዎም ይርከብ። ጉጅላዊን ትሕቲ ትግራዋይነትን ኣጀንድኡ ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ሰራዊትና ኣስሪፁ ናብ ስልጣን ክሓኩር ዝፈተነ ጉጅለ ነሓሰ ንሓድነት ሰራዊትናን መኸተናን ኣብ ሓደጋ ኣእቲዩዎ ኣሎ። በዚ ከይተሓፀረ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ታኣዊጁ መንግስቲ ክፈርስ ወሲና ተባሂሉ ኣሎ። ናይ ኩሎም ውድቀታትና ታሓታቲ ዝኾነ ጉጅለ ነሓሰ ናብ ስልጣን ክመፅእ ከምዝሰርሕ እቲ ወታሃደራዊ መግለፂ ኣረጋጊፁ እዩ ።
ንህዝቢ ትግራይ ካብ ወረርቲ ንምሕላውን ንምድሓንን ዝተሰለፈ ናይ መኸተ ሰራዊትና ናይ ዕልዋ መንግስቲ መሳርሒን ናይ ህዝብና መዕፈንን ንምግባር ኣብ ጫፍ ተበፂሑ ኣሎ። ናይዚ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ ታሓተቲ ውድብ ነሓሰ ዝመስረተ ጉጅለ ደብረፅዮንን ንዚ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ዘውፅኡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን እዮም።
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ እቲ ሓቂ ንስኻውን ዘይትስሕቶ ልዕል ኢሉ ተዘርዚሩ ቀሪቡ ኣሎ። ንሕና ናይ ጉጅለ ደብረፅዮን ውድብ ነሓሰ ብምቅዋም ነባር ውድብ ህወሓት ምስ ኩነታት ተጠናኺሩን ተማዓራርዩን ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ሕጋዊን ሰላማዊን ቃልሲ ብምክያድ ንናይ ትግራይ ብሄራዊ ረብሓታትን መሰልን ምርግጋፅ ንቃለስ ኢና። ብጀካ ፅኑዕ ብሄራዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅን ምሕላውን ናብዚ ዕላማ ከምዘይንበፅሕ ኣጥቢቕና ንኣምን ኢና። ስለዚ ፀቢብ ጉጅላዊነትን ትሕቲ ብሄራዊነትን ብፅንዓት ንቃለስ።
እምበኣርከስ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝወፅአ መግለፂ ካብዚ መንፅር ዚ ሪኢና ብፅንዓት ንቃወሞ። እዚ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ናይ ወታሃደራት ገባራይ ሓዳግነት ዝፍጠረሉ ወታሃደራዊ ፋሽሺታዊ ስርዓት ዝዋለደሉ ሓድሽ ተርኢዮ እዩ። ህዝብና ንወታሃደራዊ ምልክነትን ፋሽሽትነትን እምቢ ኢሉ ተቓሊሱ ዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ ሕገመንግስቲ ዝዓተረ ህዝቢ እዩ። ህዝብና ሕገመንግስታዊ ወሰኑ ኣኽቢሩ ናብ ሓቀኛ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝምለሰሉን መሰል ርእሰ ውሳንኡ ናብ ዘረጋግፀሉን ኩነታት ብቅልጡፍ ክሰጋገር እምበር ናብ ወታሃደራዊ ምልክነት ክምለስ ኣይግብኦን።
እዚ ብሽም ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝወፀ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ናይ ኲናት ኣዋጅ እዩ። ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ወታሃደራዊ ምልክነትን ወታሃደራት ተሞርኲሱ ናብ ስልጣን ዝመፅእ ዝኾነ ዓፋናይ ምሕደራን ብህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት የብሎምን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብዝመፃኹሞ ኣጉባብ ክቃለሰኩም እዩ። ስለዚ ትግራይ ናይ ዘይምርግጋዕን ሕምስምስን ዓውዲ ክትከውን ትፈርዱ ኣለኹም። ካብዚ ብተወሳኺ ትሕዝቶ እቲ ወታሃደራዊ ኣዋጅ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ሃደሽደሽ ዘበለ እዩ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሃገራዊ ኣሁጉራዊን ዓለማዊን ተነፅሎነትን ውግዘትን ዝፈጥር እዩ። ኣብ መኸተን ብምኽንያት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብኣግባቡ ዘይምትግባሩን ክሳብ ሕዚ ዝኸፈልናዮም መስዋእትነት ንበለል ዘትርፍ እዩ። ንቲ ገና ዘይሓወየ ዓቕምና ብምብታንን ንብሄራዊ ሓደጋ ተቓላዕይነትና ሓፍ ብምባልን ብሄራዊ ህላዌና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ጌርዎ ኣሎ።
ዝኸበርኩም ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንዓኻትኩም ከየማኸሩ ኣብዘይስርሖም ዝኣተውን ከእትውኹም ዝንቀሳቐሱ ዘለውን ገለ ኣዘዝትኹም ካብ ጌግኦም ክእረሙ ዝገብር ቃልሲ ክትገብሩ ኣለኩም። መንግስትኹም ብዝሃበኩምን ብዝህበኩምን ኣንፈት ጥራሕ ክትንቀሳቐሱ ፃዊዒትና ነቕርብ። ኣብ ውሽጢ ሰራዊትና ዝፍጠር ፖለቲካዊ ጉጅላዊ ምትእስሳር ትርፉ ምብትታን ምዃኑ ካብዚ ንላዕሊ ምስክር የለን እሞ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጉጅለ ንትካልኩም መሳርሒ ከይገብሮ ካብዚ ተማሂርና ንቃለስ። ናይ ህዝብኹምን ዜጋታትን መሰል ኣብ ዝዕፍን ተግባር ከይትሳተፉ ብሽም ህዝቢ ሓደራ ንብል!!!
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ ትግራይ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ትርከብ። ካብዚ ኩነታት እዚ ንወፅእ ሓድነትካን ውዳበኻን ኣጠንኪርካን ብትገብሮ ቃልሲ ጥራሕ ምዃኑ ተገንዚብካ ንዝኾነ ሓይሊ ከይተፀበኻ ንመሰልካ ሓድነትካን ህልውና ካብ ዝኾነ ይኹን ዝመፅእ ሓደጋ ክትምክት ተቓለስ!!! ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊን ምሕደራዊን ለውጢ ክመፅእ ዝተጀመረ ቃልሲ ከይኹለፍ ኣብ መወዳእትኡ ክነብፅሖ ንነረባረብ!!! ናይ ትግራይና ሰላም ከይዝረግ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብልዝብ ጥራሕ ክፍትሑ ዝገብርን ብማዕረ ዘትኣናግድን ዲሞክራሲያዊ ፖሉቲካዊ ባህሊ ምፍጣር መማረፂ ዘይብሉ መንገድና እዩ !!!
ዝኸበርኩም ኣብ ወፃእ ዓድታት ትነብሩ ተጋሩ ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲያዊ ባህልን ስርዓትን ክተኣታቶ ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ እናናዓድና ኣበርቲዕኩም ክትቅፅልሉ ህወሓት ይፅውዕ!!! ከምታ ኣብታ እዋን መኸተ ሕዚ እውን ሓድነትኩም ኣደልዲልኩም ካብ ብኣጀንዳታት ትሕቲ ብሄራውነት ከይተሳሓብኩም ሓድነት ህዝባ ዝደለደለ ሰላማ ዝተሓለወ ልዕልነት ሕጊን ስርዓትን ዝኽበረላ ዲሞክራሲያዊት ትግራይን ድምፂ ኮይንኩም ክትቅፅሉ ነዘኻኽር!! ሕዚ ዝርአ ዘሎ ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ምልክነት እንተሎ ወታሃደራዊ ምልኪ ካብ ርእስና ንምቕንጣጥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ እጃምኩም ክተወፍዩ ህወሓት ይፅውዕ!!!
ፖለቲካዊ ፖርትታትን ሲቪል ማሕበራትን ትግራይ ንኹሉ ትግራዋይ ብፍላይ ከዓ ንዓና ኣዝዩ ዝፍትን ኩነታት ገጢሙና ኣሎ። ንዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ወይ ኣካል ከይተንበርከኽናን መሳርሒ ወይ መጋበርያ ከይኮና ንመትከላት ዲሞክራሲያዊ ደው ክንብል ንፅውዕ!
ዝኸበርኩም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀፅታ ትግራይ ኣብ መኸተና ታሪኽ ዘይርስዖ ድሙቕ ታሪኽ ፂሒፍኩም ኢኹም። ገና ዘይተዛዘመ ዕማም እውን ኣለኩም እዩ። ንኽብርኹምን ታሪኩምን ካብ ዘማራስሕ ተግባር ቀልጢፍኩም ክትወፅኡን ዝተፈፀመ ጌጋ ብህፁፅ ክትእርምዎን ታሪኽኩም ክተሕዱሱን ህወሓት ይፅወዐኩም ኣሎ።
ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት
15 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ