ጥምረት ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ ካብ ዕለት 14 -16 ጥቅምቲ 2023 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብሄራዊ ናይ መርድእን ዝኽሪን ስዉኣትና ኣብ መላእ ዓለም ስድራ ስውኣት ብምርዳእ ሽምዓ ብምብራህን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ከም ዝኽበር ሓቢሩ።
ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተላፊኖም ንተጋሩ ካብ ምድረገፅ ንከፅንቱ ብኩሉ ግንባራት ኲናት ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝበፅሐ ግፍዒን መከራን ኣስኪሕዎም ህዝቦም ከድሕኑ ብረት ኣልዒሎም ንሓርነት ህዝቢ ትግራይ ክብርቲ ህይወቶም ንዝሃቡ ጀጋኑ ስዉኣት ተጋደልትና ንመስዋእቶም ካብ መዓሙቕ ልብና ዝለዓለ ክብሪ ንህብ ኢሉ እቲ ጥምረት።


ኣብ ዕለተ ዝተኣወጀ ብሄራዊ ሓዘን ናይ ጀጋኑ ስውኣትና ውፍዩነት፣ ተባዕነትን ናይ ዕላማ ፅንዓትን ሰኒቕና፣ ዝነበረና ሓፂናዊ ሓድነት ዓቂብና እታ ክብርቲ ሂወቶም ዘወፈዩላ ባህግን ዕላማ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሽቶኣ ንኽነብፅሕ ብሙሉእ ቆራፅነት ቃል እናኣትወሉ ጊዜ ከም ዝኾነ ሓቢሩ ።
እቲ ዘለናዮ እዋን ኣዝዩ ተኣፋፍን ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ተንጠንጢሎም ኣብ ዘለውሉ እዋን ካብ ምዃኑ ብላዕሊ ሓድነት ህዝብና ዘሪጎም ኣንፃር ህልውናን ረብሓ ህዝብና ንዝኸዱ ፀላእትና ነቓዕ ከይፈጠርና ውሽጣዊ ዲሞክራሲያዊ ከይድና ብምጥንኻር ቀፃሊ ረብሓን ሃላዋትን ህዝብና ንምርግጋፅ ቅድሚ ኹሉ ንሰርዖ ወሳኒ ጉዳይ ኢዩ ይብል ብጥምረት ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ ።
እቲ ጥምረት ብተወሳኺ ድማ መስዋእትነት ጀጋኑና ክንዝክርን ክነኽብርን እንከለና ሓዲጎምዎም ንዘሓለፉ ዕሸላት ደቆምን ወለዶምን ከም ደቅናን ከም ወለድናን ብምርኣይ ምሕጋዝ እቲ ዝዓበየ ቤት ዕዮናን ደበስ ሰማእታትና ምዃኑ ኣይንረስዕ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ንስድራ ቤቶም፣ ንፈተውቶምን ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፅንዓት ክህብን ንዓኣቶምውን መንግስተ ሰማይ ክወርሱ እናተመነና ዕላማ ስውኣትና ንምዕዋት ከም ወትሩና ፀኒዕና ኩለመዳያዊ ቃልስና ንኽነጠናኽር ኣታድ ፃውዒቱ የቕርብ።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና !
ትግራይ ብደቃ ትሕበን !!
ጥምረት ማሕበራት ትግራይ ኣብ ዲያስፖራ /ATAD/