Home ዜና ብፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን 32 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዕቀባ ሓመድን ማይን ይለምዕ ኣሎ –...

ብፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን 32 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዕቀባ ሓመድን ማይን ይለምዕ ኣሎ – ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ

108

መቐለ፥ 26 ጥሪ 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ብብርኪ ትግራይ ብፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን ኣብ 1290 መፋስሳት 32 ሽሕ ሄክታር መሬት ብዕቀባ ሓመድን ማይን ይለምዕ ከምዘሎ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሰብ ሞያን ኣመራርሓን እቲ ቢሮ ኣብ ወረዳታት ኣፅቢ፣ ፃዕዳ እምባን ሓውዜንን ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ዑደት ኣካዪዶም። እቲ ዑደት ኣብ ቀፃሊ ንዝካየድ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብ መንጎ ወረዳታትን ሰብ ሞያ ሕርሻን ተመሳሳሊ ርድኢትን ኣፈፃፅማን ንምፍጣር ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሓረስቶት፣ ሕርሻ ካድረን ኣመራርሓን እተን ዑደት ዝተገበረለን ወረዳታት እቶም ስራሕቲ ቅድሚ ምጅማሮም ምስ ህዝቢ ምርድዳእ ብምፍጣር ብትልሚ መሰረት ስራሕ ከምዝጀመሩን ዘላቒ ልምዓት የረጋግፁ ከም ዘለውን ሓቢሮም።

ኣብቶም ዝለምዑ ከባቢታት ማሕበራት ወዲቦም ናብ ተጠቃምነት የሰጋግሩዎ ከምዘለ እውን ገሊፆም።

ዑደት ዘካየዱ ሰብ ሞያ ብግዲኦም ክልስ ሓሳብ ናብ ተግባር ንምልዋጥ ቆራፅነትን ግንዛበ ምዕባይን ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ብምሕባር ኣብ ካልኦት ከባቢታት ውን ተመሳሳሊ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ንክህሉ ዓብይ ትምህርቲ ከምዝወሰዱ ገሊፆም።


ኩሎም ስራሕቲ ካብ ስዲ ጋህፂ ነፃ ክኮኑ፣ ብስነ ሂወታዊ ክለምዑን ናብ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ክሰጋገሩን ዝመዓዱ እቶም ሰብሞያ ኩሎም ዓውዲታት ሕርሻ ተዋዲዶምን ንክፍፀሙ ዝገብር ተመኩሮ ከም ዝተዓዘቡ ገሊፆም።

ኣመራርሓን ሰብ ሞያን እቶም ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን ብግዲኦም እዚ ስራሕ ንተኸታተልቲ ዓመታት ዝፀንሕን ዘላቒ ልምዓት ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ኣሰር ዘቐምጥን እዩ ኢሎም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣይተ ኣለም ብርሃን ሃሪፈዮ ብፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን ዝሳለጡ ዘለው ብሉፃት ስራሕቲ ልምዓትን ክንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ወፍሪ ነፃ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንምድጋም ከምዝኾነ ገሊፆም።

በዚ መሰረት መላእ ትግራይ ተመሳሳሊ ፅሬትን ሰለጤን ብዘለዎ ኣገባብ ንምፍፃም ሰብ ሞያ ደገፍን ክትትልን ንምግባር ከም ዝዋፈሩ ሓቢሮም።

ዞባ ምዕራብ ትግራይ ፣ክልተ ወረዳታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝርከባ ጣብያታትን ከይሓወሰ ብፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን ወፍሪ ነፃ ዕቀባ ሓመድን ማይን 62 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣብ 1290 መፋስሳት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣብዚ ዓመት ከምዝስራሕን 896 ሽሕ ህዝቢ ክኸትት ትፅቢት ከም ዝግበርን ሓቢሮም።

እዚ ዕውት ንምግባር ኩሉ ካብኡ ትፅቢት ዝግበሩ ንጥፈታት ክፍፅም ድማ ፀዊዖም ኣይተ ኣለም ብርሃን።

#ብሰለሙን_በርሀ