Home ዜና ተመራፂ ፕረዝዳንት ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይን ብስልኪ ተዛትዮም – ስካይ ኒውስ

ተመራፂ ፕረዝዳንት ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይን ብስልኪ ተዛትዮም – ስካይ ኒውስ

297

መቐለ፥ 02 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)

ቅድሚ ቤተ መንግስቲ ዋይትሃውስ ምእታዎም ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ደው ምባል ቀዳማይ ስረሖም ከም ዝገብርዎ ንደገፍቶም ቃል ኣትዮም ዝነበሩ ተመራፂ ፕረዝዳንት ትራምፕ፤ ብመሰረት ዝኣተውዎ ቃል ምስ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብስልኪ ከምዝዘተዩ ስካይ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ተመራፂ ፕረዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፤ ዝተመጠነ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ኣውሮፓ ከም ዝህሉን ኵናት ዩክረይን ከይጋደድ ምስ ፕረዝዳነት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዘተ ከም ዘካየዱ እውን ስካይ ኒውስ ጠቂሱ፡፡

ኲናት ሩስያን ዩክረይንን ሓዊሱ፤ ንኸይዲ ስግግር ስልጣን ዴሞክራትን ሪፖብሊካንን ኣመልኪቶም ምስ ፎክስ ኒውስ ፃንሒት ዝገበሩ ኣማኻሪ ድሕንነት ዋይት ሃውስ ጃክ ሲልቫን፤ ብፕረዝዳንት ባይደን ተወጢኖም ምምሕያሽ ዘድሊዮም ወይ ድማ ክልወጡ ዝግበኦም ዕማማት ኣሜሪካን ርክባት ወፃኢን ምስ ተመራፂ ፕረዝዳንት ትራምፕ ዘተ ከም ዝካየደሎም ጠቒሶም፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ውሽጣዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ዝህልውዋ ተልእኾ ንምዝታይ ፕረዝዳንት ባይደንን ምስ ተመራፂ ፕረዝዳንት ትራምፕ 3 ሕዳር 2017 ዓ.ም ሓበራዊ ዘተ ከም ዘካይዱ ዝጠቐሱ እቶም ሓላፊ፤ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ዘካየድዎ ዘተ ስልኪ ኣብ ድሌት ኣሜሪካ ዝምስረት ምዃኑ የረጋግፁ፡፡

ትራምፕን ፕረዝዳንት ባይደንን ኣብ ዝራኸብሉ እዋን ፤ ቀዳማይ ነገር ፕረዝዳንት ባይደን ስልጣን ንኸረክቡ ድልዊ ምዃኖም ክገልፅሎም እዮም፡፡ ቀፂሎም ድማ ብደረጃ ዓለም ትኹረት ዘድልዮም ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣውሮፓ፣ ኤስያን ኣብ ምምሕዳር ባይደን ከመይ ተታሒዞም ከም ዝነበሩን ትራምፕ ብኸመይ ክጥምትዎም ከም ዝኽእሉን ሓበራዊ ኣንፈት ክተሓዘሉ እዩ፡፡


ተመራፂ ፕረዝዳንት ትራምፕ ስልጣን ኣብ ዝርከብሉ እዋን ብደረጃ ዓለም ዘለዉ ምዕባለታት ንምእላይ ናይ ባዕሎም ፖሊሲ ክኽተሉ ከም ዝኽእሉ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፤ ምስ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ጀሚረምዎ ዘለዉ ርክብ ኣወንታዊ ክኸውን ዘለዎም ትምኒት ገሊፆም፡፡

#ብገ/ሄር_ሃይሉ