መቐለ፥ 10 ሕዳር 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ተመዛበልቲ ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ፣ ኵሎም መንገድታት ንምኽፋትን ንግዳዊ ርክብ ንምጥንኻርን ከም ዝሰርሑ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ ዝተሳተፍ ኣመራርሓ ትግራይን ዓፋርን ቃል ኣትዮም።
ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ንቡር ንምምላስ ብትዅረት ከም ዝሰርሑ እውን ኣመራርሓ ጎረባብቲ ዞባታትን ወረዳታትን ክልቲአን ክልላት ገሊፆም።
ሰላም፣ ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ሓቢሮም ክሕልዉዎን ክጥቀሙሉን ይግባእ ኢሎም ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ።
መራሕቲ ትግራይን ዓፋርን ንምርኻብ እንትንሓስብ፣ ህዝቢ “ፈለማ ንስኻቱም ተራኸቡ እምበር ንሕና ንገብሮ ንፈልጥ ኢና” ኢሉና፤ ፃምእ ሰላምን ሰናይ ርክብን ከም ዘለዎ ድማ ኣርእዩና። ስለዚ ዝኽፈል ኸፊልና እቲ ህዝቢ ንኽቀራረብ ንስራሕ ኢልና ኢና ተሰማሚዕና ኢሎም።
ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓፋር ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ናብ ዝነበሩዎ ንክምለሱ ኵላትና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም ኣይተ ሃፍቱ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ፀጋይ ገብረተኽለ ብወገኖም፣ ካብ ዝሓለፈ ፀገም ተማሂርና ንከይድገምን ሰላም ከባበቢና ንምውሓስን ህዝቢ በዓል ዋና ገይርና ንስራሕ ኢሎም።
ንዘጋጥሙ ጎንፅታት ድማ ምዕቡል ባህሊ ኣፈታትሓ ጎንፂ ብምጥቃም ብኣግኡ ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።
ቅድሚ ኲናት ዝነበሩና ፅቡቓት ተመኵሮታትና ብምስፋሕ በቢ ግዚኡ እናተራኸብናን ትልምታትና እናገምገምናን ክንቕፅል ኢና ኢሎም ኣይተ ፀጋይ።
ሰላም ንክልቲኦም ህዝብታት ዝጠቅም ብምዃኑ፣ ግዜ ከይሃብና እቲ ርክብ ህዝብታት ክሳብ ታሕቲ ንክወርድ ክንሰርሕ ኣለና ዝበሉ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ኣመሓዳሪ ዞባ ኽልተ ኣይተ መሓመድ ዓሊ እዮም።
ተመዛበልቲ ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ምስ ኣመራርሓ ትግራይን ዓፋርን ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑ እውን ኣረጋጊፆም።
ተመዛበልቲ ንምምላስ በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን ህዝብን ብጥልቀት ዘትዮም ምትእምማን ብምፍጣር እምበር ምችው ባይታ ከይፈጠርኻ ክኾን ኣይግበኦን ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ።
ከይዲ ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ኵሎም መንገድታት ካብን ናብን ንምኽፋት፣ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ንምጥንኻር፣ ገበን ፈፂሞም ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ዓፋር ዝተሓብኡ እንተልዮም ናብ ሕጊ ንምቕራብን ካልኦት ሓበራዊ ንጥፈታት ንምፍፃምን ቀዲምኻ ክመዓራረዩ ዝግበኦም ፀገማት ክፍትሑ ከም ዝግባእ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።
በቢ ብርኩ ዝርከቡ ኣካላት ኣመራርሓን ሓይልታት ፀጥታን ነዚ ብቖራፅነት ክሰርሑ ይግባእ ዝበሉ ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ኣመራርሓ ትግራይን ዓፋርን፣ ህዝቢ ንዘበናት ዝፀንሐ ሰናይ ርክብ እንተዘይመሊስናሉ ብታሪኽ እውን ተሓተትቲ ኢና ኢሎም።
ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ንዘጠናኽሩ ምንቅስቓሳት ምትብባዕ ርክብ ዘሐርፍፉ ምልክታት ድማ ኣደብ ምትሓዝ ካብ ኣመራርሓ ትግራይን ዓፋርን ትፅቢት ከም ዝግበር ተሳተፍቲ ኣስሚሮሙሉ።
ኣብቲ ዘተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ካብ ክልል ዓፋር ድማ ኣመሓዳሪ ዞባ ኽልተ፣ ኣመሓደርትን ኣካላት ፀጥታን ሸሞንተ ምስ ትግራይ ዝዳቦባ ወረዳታትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።