መቐለ፥ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ኣብ ስርሒት ኦፕሬሽን ኣግኣዚ ዕዙዝ ግደ ዝተፃወተ ነባር ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ ስርዓተ ቀብሪ ኣብ ቤተ ክርስትያን ገዳም መድሓኒኣለም መቐለ ተፈፂሙ።
ኣብቲ ስነ_ስርዓት ቀብሪ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ስድራ፣ ፈተውቱን መቓልስቱን ተረኺቦም።
ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ 24 ሓምለ 1951 ዓ.ም ካብ ኣቡኡ ኣይተ ተሻለ ገብረስላሰን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ደስታ ሃይሉን ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዓብዩ።
ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ቀዳማይ ድግሪ ትምህርቱ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሕጊ ተመሪቑ እዩ።
ብህወሓት ናብ ዝምራሕ ዕጥቃዊ ቓልሲ ተፀንቢሩ ኣብ ከተማ መቐለ ስርዒት ኮይኑ እናተንቀሳቐሰ ኣብ ዝነበረሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዮ ግዳይ ቀይሕ ራዕዲ ተባሂሎም ካብ ዝነበሩ ሓደ እዩ።
ካብቲ ማእኸል ቀይዲ ሸንሸል በጢሱ ደጎል ዘሊሉ ተኣሲርሉ ካብ ዝነበረ ድሕሪ ምምላጥ ናብ ሜዳ ከምዝወረደ ታሪኽ እቲ ተጋዳላይ ይሕብር።
1978 ዓ.ም ንልዕሊ 1ሽሕን 300 እሱራት ውኽኒ ቤት መቐለ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ልእኽቶ ካብ ዝተውሃቦም ሓደ ኮይኑ ነቲ መስተንክራዊ ስርሒት እውን ዕዙዝ ግደ ዘወፈየ ጅግና ነይሩ ተጋደላይ ኣማረ ተሻለ።



ካብ ኮሚሳር ክብሪት ክሳብ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ብሙዃን ትግራይ ንህዝቡ ብቕንዕናን ተኣማንነትን ዘገልገለ ኮይኑ ዳሓር ድማ ጠበቓ ኮይኑ ኣብ ምግልጋል እንዳሃለወ ሎሚ 10 መስከረም 2017 ዓ.ም ሕክምናዊ ኽትትል ክገብር ድሕሪ ምፅናሕ እዩ ዓሪፉ።
ተጋዳላይ ኣማረ ተሻለ በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ደቂ ተባዕትዮን ኽልተ ደቂ ኣንስትዮን ምዃኑ ሂወት ታሪኹ የርድእ።