ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣጥፊኡ #ኦሮሚያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንምቁፅፃር ዝወፈረ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብኹሉ ግንባራት ስዕረት ምጉልባቡ ስዒቡ ንፁሃን ሰባት ይጭፍጭፍ ምህላዉ ኦኤምኤን ፀብፂቡ፡፡
ኣብ 21 ዞባታት 41 ግንባራት ኣነፂሩ ሰራዊት ሓርነት #ኦሮሞ ንምድምሳስ ዝወፈረ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካብ 5 ክልላት ዝተውፃእፅኡ ፍሉይ ሓይሊታት ከምኡ ድማ ፋኖ ዝተብሃለ ሽፍታ ኣዋዲዱ ዝወፈረ እኳ እንተኾነ ብዝወፈሮ ግንባር ስዕረት ይጉልበብ ኣሎ፡፡
ኣብ ግንባር ደቡብ ከባቢታት #ቡሌሆራ፣ ምዕራብ #ጉጂን #ቦረናን ከምኡ ድማ ኣብ ምብራቕ #ሽዋ ከባቢታት ወለንጪትን ቦሰትን ስዕረት ዝተጎልበበ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ንቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎ እናተቓረበ ንዝርከብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንምዉቃዕ ሓይሉ ኣካኪቡ እንተወፈረ እኳ ኩነታት ካብ ቁፅፅሩ ንላዕሊ ከምዝኮነ ኣረጋጊፁ እዩ ኢሉ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ፡፡
ክሳብ 20 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ኣብ ምዕራብ ሽዋ ከባቢታት ግንደበረት ዝሞከሮ ተደጋጋሚ ፈተነታት ብድልዱል ቀላፅም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተሓምሸሾ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ተስፋ ብምቑራፅ ሄልኮፕተራትን ድሮናትን ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ መስካሕኽሒ ጨፍጫፍ ምፍፃሙ መግለፂ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ የማላኽት፡፡
21 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ብሽም ፀረ ሽፍታ ዝተወደበ እግረኛ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ብመኻይን ተዓጂቡ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ገባ ጁማ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ካብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብዝተፈነወሉ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ምድምሳሱን ማኻይኑ ምቅፃለንን ስዒቡ ገዛ ንገዛ ብምፍታሽ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ነበርቲ እቲ ከባቢ ጨፍጫፍ ምፍፃሙ ኦኤምኤን ፀብፂቡ፡፡
ኣብ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ኣዳኣ በርጋ ብስዑራት ወታደራት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈፀመ እቲ ጨፍጫፍ ኣብ ገባ ጁማ ዝበፅሖ ስዕረት ንምክሕሓስ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኣብቲ ከባቢ ዘይምህላዎም ብምርግጋፅ ምዃኑ ፀብፃብ ኦኤምኤን ኣመላኺቱ፡፡
ኣብ ልዕሊ ሰለማዊያን ነበርቲ እቲ ወረዳ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ኮነ ተባሂሉን ምንም ዓይነት ውግእ ኣብ ዘይብሉ ምዃኑ ዝጠቐሰ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ገዛ ንገዛ ኣብ ዝተገበረ ጨፍጫፍ ልዕሊ 46 ንፁሃን ከም ዝተቐተሉ ገሊፁ፡፡
እቶም ብመንነቶም ጥራይ ዝተጨፍጨፉ ነበርቲ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ወይ ድማ ወታደራዊ ልምዲ ዘይነበሮም ምዃኑ ዝሓበረ ኦዳ ተርቢ ተግባር ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ኦሮሞ ብራዕዲ ኣብ ጎኑ ንምስላፍ እኳ እንተሃቀነ ኣይሳኸዐሉን፡፡
ኣብ ኣድኣ በርጋ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ዘረጋገፀ ኣዛዚ ግንባር ሰሜንን ሰሜን ምዕራብን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዓብዲ ዱጋ ብግዲኡ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፍፅሞ ዘሎ ጨፍጫፍ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራይ ዝተወሰነ ዘይኮነስ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ምዃኑን፤ተግባር ፈርሓት ከምዝኮነን ጠቒሱ፡፡
ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ይፍፅሞ ዘሎ መስካሕኽሒ ተግባር፤ ነዊሕ ኣይፀንሕን ዝበለ ዓብዲ ዱጋ፤ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ፋሽስት ፀረ መጥቃዕቲ ኣጎሃሂሩ ከም ዘስፍሕ ኣረጋጊፁ፡፡
ብገ/እግዚኣብሄር ሃይሉ