“ሓውዜን ወ ቶጎጋ
ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ንምርግጋፅ የካይዶ ብዝነበረ ኣንፃር ደርጊ ዘቕነዐ ብረታዊ ቓልሲ፣ ኣብዝሓ ከባብታት ትግራይ ካብ ቍፅፅሩ ወፃኢ ዝኾነኦ ውልቀ መላኺ ስርዓት ደርግ፣ ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት 15 ሰነ 1980 ዓ.ም ነይሩ ኣብ ከተማ ሓውዜን ኣብ ዕዳጋ ፅዑቕ ደብዳብ ነፈርቲ ዘካየደ።
ኣብ ዕዳጋ ከተማ ሓውዜን ይሸይጥን ይዕድግን ዝነበረ ህዝቢ፣ ፈለማ ነፈርቲ ክመፃ ከለዋ፣ “ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ ሰላማዊ ሰብ እንታይ ከይገብራ ኢሉ” ኣይጭክኑልናን ዝብል ናይ ጥዑያት ሓሳብ ስለ ዝሓሰበ ንምህዳም ኣይፈተነን።
ኾይኑ ግና ከም የዋህ ግምቶም ዘይኮነስ ከም ጨካን ውሳነ ሰብ ስልጣን ደርግ፣ ነፈርቲ ውግእ ሓዊ ኣዝኒበናሎም። ደም እንስሳትን ሰብን ተሓዋዊሱ ቀላይ ዓይጊ ኾይኑ። እዚ ዅሉ ዝግበር ዘሎ ሕዚ እውን ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ ምዃኑ ኣይንረስዕ።
ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ህዝቢ እንትድብደብ 1800 ህፃናትን ኣረጋውያንን ሞይቶም 700 ድማ ቖሲሎም።
ህዝቢ ሓውዜን ዕዳግኡ ኣብ ፀልማት ንኸካይድ እውን ተገዲዱ።
ስርዓት ደርግ ብ 1980 ዓ.ም ሰነን ሓምለን ጥራይ ኣብ ሳምረ፣ ሕንጣሎ፣ ሰሓርቲ፣ ፊናርዋ፣ ሃገረ ሰላም፣ ሓውዜን፣ ማይ ቅነጣል፣ ዓድዋ፣ ኣስገደ፣ ዓዲ ነብሪ ኢድ፣ጨርጨርን ካልኦት ወረዳታትን ኣጋር ሰራዊቱን ነፈርቲ ውግእን ተጠቒሙ ብዝፈፀሞ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ሰላማዊያን ሰባት ብዘስካሕክሕ መንገዲ ቐቲሉ ብርክት ዝበሉ ድማ ብጥይት ኣቑሲሉ እዩ። ብርክት ዝበሉ ገዛውቲ እውን ምስ ምሉእ ንብረቶም ኣንዲዱ ኣዕንዩዎም።
ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ውሑዳት መሰረተ ልምዓት ናብ ቤት ፅሕፈት ወታደር ምቕያርን ኣብ መወዳእታ ኣዕኒኻ ምኻድን ካብቶም ቀንዲ ውራያት ሰራዊት ደርግ ሓደ ነይሩ።
ደርጊ “ዓሳ ንምጥፋእ እቲ ባሕሪ ክነፅፍ ኣለዎ” ብዝብል ጨካን ኣምር ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘካየዶም ደብዳባት ነፈርቲ፣ ህዝቢ ከሰኵኑ ኣይከኣሉን፤ እኳድኣስ፣ ናብ ቃልሲ ዝውሕዝ ተጋዳላይ ቍፅሩ ክውስኽ ገይሮም እምበር።
በዚ ድማ እዩ ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ ከተማ ሓውዜን፣ ደርግ ኣብ ትግራይ ዝፀነሐለን ጊዜያት ካብ 8 ኣዋርሕ ክሓልፋ ዘይከኣላ። ኣብ ወርሒ ለካቲት 1981 ዓ.ም ዝምከሐሉ ሰራዊት 604 ኮር ተደምሲሱ ካብ ትግራይ እውን ጠቕሊሉ ክወፅእ ተገዲዱ እዩ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝተጀመረ ፅንተታዊ ዂናት እውን ነዚ እዩ ደጊሙዎ። ቍስልኹም ኣይትረስዑ ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ብዝመስል መንገዲ ተመሳሳሊ ደብዳባት ነፈርቲ ተኻዪዱ።
ዕለት 15 ሰነ 2013 ዓ.ም ቶጎጓ ኣብ ዝተብሃለት ንእሽተይ ከተማ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ህዝቢ፣ ብነፈርቲ ውግእ ሓይልታት ፅንተት ተጨፍጪፉ እዩ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ኣብቲ ደብዳብ ዝተጎድኡ ሰባት ግልጋሎት ሕክምና ከይረኽቡ፣ ሰብ ሞያ ጥዕና ናብቲ ከባቢ ከይኸዱ እውን ተገይሮም እዮም።
ደብዳብ ነፈርቲ ቶግጋ ንታሪኽ ደብዳብ ነፈርቲ ሓውዜን ጥራሕ ኣይኮነን ደጊሙ፣ ንውፅኢቱ እውን እምበር።
ግፍዓዊ ጨፍጫፋት ዘሐርንዎ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ደብዳብ ነፈርቲ ቶጎጓ፣ ድሕሪ ሽዱሽተ ዕለታት ማለት እውን 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ዓወት ደቁ ክርእን ተጋደልቲ ደቁ ክሓቍፍን በቒዑ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ጨቋኒ መግዛእቲ ንመዋእሉ ዘካየዶም ብረታዊ ቃልስታት ኣብ ልዕሊኡ ጨፍጫፋት ክዛይዱ ምኽንያት ኮይኖምዎ እዮም። ታሪኽ ኣብዚ ዕለት ኢልና ንደብዳባት ነፈርቲ ሓውዜንን ቶጎጓን ኣልዒልና እምበር ግፍዓዊ ተግባራት ፀላእቲ ተፃሒፎም ዝውድኡ ኣይኮኑን።
ንጉሳዊ ስርዓት ኃይለ ሥላሴ ብተጋሩ ወየንቲ እናተመርሐ ኣንፃሮም ይካየድ ንዝነበረ ህዝባዊ ቃልሲ ንምግታእ፣ ምስ መንግስቲ እንግሊዝ ተሓባቢሮም፣ ኣብ 1936 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ሕዚ ቐዳማይ ወያነ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ቦታ ንዝነበረ ህዝቢ ብነፈርቲ እንግሊዝ ክድብድብዎ እንተለዉ እውን መዓልቲ ዕዳጋ እዩ ነይሩ።