መቐለ፥ 07 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ)
ፈላማይ ህዝባዊ ባይቶ (ቤት ምኽሪ ትግራይ) ኣብ ሸራሮ ተመስሪቱ። ፈላማይ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ድማ ብ1972 ዓ.ም. ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ኣብ ከተማ ሸራሮ ተሳሊጡ። እቲ ጉባኤ እንታይ ትሕዝቶታት ነይሩዎ? እንታይ ውሳነታት ከ ተመሓላሊፎሙሉ? ንተኸላ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ከ እንታይ ግደ ነይሩዎ? ክንድህስሶ ኢና።
ህ.ወ.ሓ.ት ብ 1971 ዓ.ም. ኣብ ማይ ኣባይ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤኣ ኣካይዳ። ኣብዚ ጉባኤ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ቃልሲ ክብርኽን ህዝባዊ መሰረት ክሕዝን ምግባር ድማ ዓብይ ውሳነ እቲ ጉባኤ ነይሩ። እዚ ንምግባር ድማ ኣብዚ ጉባኤ ሓፋሽ ይወደብ፣ ይንቃሕ፣ ይተዓጠቕ ዝብል ውሳነ ድማ ተወሲኑ። ውዳበታት ሓፋሽ ክጠናኸራን ናብ ዝሐሸ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ክሰጋገራን ዝገበረ ጉባኤ እውን ነይሩ።
ውዳበታት ሓፋሽ ክመርፃን ክምረፃን ማእኸል ተሞክሮ ክኾናን ተሓሳቢ ዝገበረ ቅድመ ምድላው ድማ ካብ ፅባሕ እቲ ጉባኤ እዩ ተጀሚሩ። መንግስታዊ መሓውር ምዝርጋሕ እውን ሓደ ኣንፈት እቲ ጉባኤ ነይሩ። እዚ ውሳነን ኣንፈትን ኣበይ ንጀምሮ ተባሂሉ ተዘትዩ። እዚ ዕላማ እዙይ መጀመርያ ክፍፅመልና ዝኽእል ህዝቢ ሸራሮ እዩ ተባሂሉ ድማ ተወሲኑ።
ብመሰረት ውሳነ እቲ ጉባኤ፣ እቲ ስራሕ እውን ኣብ ሸራሮ ተጀሚሩ። ውዳበታት ሓፋሽ ኣብ ሸራሮ ብ1971 ዓ.ም. ተመስሪተን። ኣብቲ እዋን ዝተመስረታ ውዳበታት ሓፋሽ ድማ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፣ ማሕበር መናእሰይ፣ ማሕበር ሓረስቶት፣ ማሕበር ሰገናት፣ ማሕበር ሸቓሎን ማሕበር ነጋዶን እየን። እዘን ውዳበታት ሓፋሽ ብዙሓት ውድባዊን ህዝባዊን ስራሕ ምስራሕ ድማ ቀፀላ። ውሳነታት ማይ ኣባይ ቀዲማ ብምዕዋት ድማ ሸራሮን ነበርታን መርኣያ ነይሮም።

ህንፀት ኣዳራሽ ኣብ ጉባኤ ምስረታ ህዝባዊ ባይቶ/ቤት ምኽሪ ልዑል ረብሓ ነይሩዎ። ኣዳራሽ ጃዕፈር ድማ ኣብ መሰከረም 1972 ዓ.ም. ህንፀቱ ተጀሚሩ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ እቲ ዓመት ድማ ተዛዚሙ። ተጋዳላይ ጃዕፈር ኣብ 20 መጋቢት 1969 ዓ.ም. ኣብ ኲናት ብዝተሰወአ ተጋዳላይ ጃዕፈር ድማ ተሰይሙ፡፡ ኣብ ህንፀት ኣዳራሽ ጃዕፈር ኵሉ ሕብረተሰብ እዩ ተሳቲፉ።
ዲዛይን ናይቲ ኣዳራሽ እውን መለስ ብዝበሃል ተጋዳላይ ከም ዝተሃንደሰ ማህደር ገድሊ ትግራይ ሰኒዱዎ ይርከብ። መለስ ዜናዊ ኣይኮነን ካሊእ ተጋደላይ መለስ እዩ።
ኣብ ህንፀት ኣዳራሽ ጃዕፈር ሓፋሽ ማሕበራት ልዑል ግደ ነይሩዎም። ኣዳራሽ ጃዕፈር ተሃኒፁ ምስ ተወድአ ኣብ ከተማ ሸራሮ ብዙሓት ስራሕቲ ተሳሊጦም።


ካብቶም ዓበይቲ ፍፃመታት ፈላማይ ህዝባዊ ባይቶ ብ1972 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሽራሮ ተመስሪቱ። ጉባኤ እቲ ባይቶ ድማ ካብ 9 ክሳብ 11 ለካቲት ተኻይዱ። እዚ ጉባኤ ንምክያድ ውዳበታት ሓፋሽ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ሰፊሕ ክትዕን ምይይጥን ኣካይደን።
መርቀቕቲ ሽማግለታት ተመሪፆም። ብመርቀቕቲ ሽማግለታት ዝተዳለወ ረቂቕ ስሪት ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ምይይጥ ተገይሩሉ። ህዝቢ እቲ ዝውሰኽ ወሲኹ እቲ ዝቕነሰ ቀኒሱ ‹‹ስሪት ባይቶን ህንፃ ባይቶን ዝብሉ ስሪታት ወይ ሕግታት ንክፀድቕ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ።
ብድሕሪኡ ናይ ባይቶ መመልመሊ ኣባላት መሰረታዊ ረቛሕታት ተነፂሮም። ኣብ ባይቶ ድማ ፀዲቖም። ኣብ ፈላማይ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዝተቐመጡ መመዘኒ ረቛሒታት ንኣባላት ቤት ምኽሪን ኣመራርሓኡን እቶም ዓበይቲን ወሰንቲን 8 ነጥቢታት እዮም።
ንሳቶም እውን ንባዕሉ ንፁህ ድዩ/ድያ? ህዝባዊ ዕላማ ኣለዎ/ዋ ዶ? ካብ ዝኾነ ምንቅስቓስ ባንዳነት ዘይጥርጠር ድዩ/ያ? ምስ ውድብ ፅኑዕ እምነት ኣለዎ/ዋ ዶ? ውፉይን ናይ ስራሕ ድልውነት ኣለዎ/ዋ ዶ? ንህዝቢ ናይ ምምሕዳር ልምዲ ኣለዎ/ዋ ዶ? ስድራኡ ብኣግባቡ ዘመሓድር፣ ካብ ስርቅን ቀንጠብጠብን ነፃ ዝኾነ፤ ፃታዊ ማዕርነት ዝኣምን ትኣምንን ወዘተ ዝብሉ ረቛሒታት እዮም።
በዞም ረቛሒታት መሰረት ድማ ናብ መረፃ ኣባላት ባይቶ ተኸዪዱ። በዚ መሰረት ድማ እቶም ካልኦት ጉባኤታት ባይቶ ትግራይ ክካየዱ ተወሲኑ።


ፈላማይ ህዝባዊ ባይቶ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደሉ ጊዜ ዝነበሩ መራሕቲ ሓሳባት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ህዝባዊ ባይቶ ናይ መፃኢት ትግራይ መንግስቲ መሰረት እዩ!
ብምዕግርጋር ፀላእትና ኣይዕንቀፍን ህዝባዊ ባይቶና!
ኣብ ምሉእ ትግራይ ህዝባዊ ባይቶና ክምስረት እዩ!
ህዝባዊ ባይቶና ካብ ሰለልቲ ክንሕልዎ ኢና! ዝብሉን ካልኦትን ነይሮም።
ኣብቲ ፈላማይ ህዝባዊ ባይቶ 50 ዝኣባላቱ ባይቶን 100 ደገፍቲ ባይቶን ኣባላት ተመሪፆም ። 35 ደቂ ተባዕትዮን 15 ደቂ ኣንስትዮን ድማ ነይረን።
እቲ መረፃ ብምስጢር ድምፂ ክወሃብ ዝተገበረ ኮይኑ፣ ፀላኢ ከይፈልጦ ብጣዕሚ ምስጢሩ ብዝተሓለወ ኣገባብ ብናይ ቀደም ኣብ እንዳፎርኖ ዝበሃል ከባቢ ዕዳጋ ዘይቲ ሐዚ ማእኸል ዕዳጋ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ቆፀራ ድምፂ ተሳሊጡ።
እቲ ቦታ ናይ ጣልያን ፎርኖ ዝሰርሕሉ ዑና ገዛ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ መዳላዊት ኮሚቴ ምሽጥሩ ብዝሓለወ ዳስ ተሰርሑ ናይ 3 መዓልቲ እኽለ ማይ ቀሪቡ፣ እቲ ቦታ ብዝተፈላለዩ ባንዲራን ካልኦትን ክፅብቕንን ክምዕርግን ተገይሩ ነይሩ። ብተጋዳላይ ኣባይ ፀሃየ ኣማኻራይነት ከም ዝተዳለወ እውን ማህደራት ታሪኽ ይሕብሩ፡፡
ብህዝቢ ዝረቐቐ ሕጊ ብስርዓት ኣብቶም ዝተመረፁ ኣባላት እቲ ባይቶ ድማ ፀዲቑ። ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ተጣይሾም ። ንሳቶም እውን ኣፈ ጉባኤን ምክትል ኣፈ ጉባኤን ተመሪፆም። ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ፣ ኣቦ ወንበር ወይ ኣመሓዳሪ ተመርፁ። ባይቶ ፍርዲ እውን ተመሪፆም’።
ብድምር ቅርፂ መንግስቲ ዘለዎ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝምረፅን ዝወርድን ስርዓት ዲሞክራሲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ከተማ ሽራሮ ተበሲሩ፡፡ እዚ ብቐያሕትን ፀለምትን መስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ዝተመስረተ ሓዱሽ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ብዕሊ ተጣይሹ፡፡
ብደረጃ ትግረይ 11 ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ጃዕፈር ተኸብሩ፤ ልዕሊ 500 መናእሰይ ብሓደ ጊዜ ካብ ኣዳራሽ ጃዕፈር ተጋዲሎም። ሓምሻይ ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ሸራሮ ምስተኸበረ፣ ኣብ ካሊእ ሓራ መሬት ትግራይ ህንፀት ኣዳራሻትን ስራሕቲ ምስረታ ባይቶን ውዳበታት ሓፋሽን ተጀሚሮም።

11 ለካቲት ንምኽባር ካብ መላእ ትግራይ ዝመፅኡ ኣካላት ተሞክሮታት ኣመሰራርታ ባይቶ፣ ኣወዳድባ ሓፋሽ ማሕበራትን ህንፀት ኣዳራሻትን ካብ ነባሪ ከተማ ሸራሮ ወሲዶም፡፡ ናብ መላእ ትግራይ ብምዝርጋሕ ሓፋሽ ውዳበታት ኣብ ሓራ መሬት ተጣይሽን፣ ባይቶ መስሪተን ኣዳራሽ እውን ሃኒፀን። በዚ እውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝለዓለ ጠርዚ ክበፅሕ ልዑል ግደ ኣበርኪቱ እዩ፡፡
#ብሰለሙን_በርሀ