Home ዜና ውሽጢ ዓዲ ትካል ገባሪ ሰናይ እኖታት ንእኖታት ንልዕሊ 50 ዝተፀገማ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ናውቲ...

ትካል ገባሪ ሰናይ እኖታት ንእኖታት ንልዕሊ 50 ዝተፀገማ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ናውቲ ገይሩለን።

219

መቐለ፥ 8 መስከረም 2017 ዓ.ም (ቴሌቭዥን ትግራይ)

ትካል ገባሪ ሰናይ እኖታት ንእኖታት ምስ ፈንድ ስነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ብ 4ተ ዓይነታት ሞያ ከሰልጥነን ንዝፀንሐ ልዕሊ 50 ዝተፀገማ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ምቐለ ስራሕ ንክጅምራ ሓገዝ ናውቲ ገይሩለን።

እተን ደቂ ኣስትዮ እቶት ኣብ ዘድንፍዑ ስራሕቲ ስፌት ክዳን፣ምርባሕ ደርሁ፣ ስራሕቲ ፀጉርን ምድላው ባኒን ናይ ሓደ ወርሒ ስልጠና ዝወሰዳ ኮይነን ስራሕ ንምጅማር ዝሕግዘን ናውቲ ፣ደርሁ፣ መንበርን ቀለብን ደርሁ ሓዊሱ ብሓገዝ ከምዝተወሃባ አካያዲ ስራሕ ትካል ገባሪ ሰናይ እኖታት ን እኖታት ኣይተ ኣሸናፊ ኣስመላሽ ገሊፆም።

ሓገዝ ዝተገበረለን ደቂ ኣንስትዮ ንዝተገበረለን ሓገዝ ብምምስጋን ንካልኦት እውን ክስፋሕፋሕን ደገፍ መስርሒ ቦታን ተውሳኺ መትከሊ እግሪ ክግበረለን ተላቢየን።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈንድ ስነ -ህዝቢ ጨንፈር ትግራይ ዋና ዳይሬክተር ጆይስ ፓክላኪ እዘን ሓገዝ ዝተገበረለን ደቂ ኣንስትዮ ካብተን በቲ ኲናት ዝተሃሰያን ዝተዓመፃን ደቂ እተን ውሑዳት ምዃነን ብምግላፅ እዚአን ዓርሰንን ስድረአንን ካብ ፀገም ዝወፃሉ ስለኾነ ተወሳኺ ክትትልን ደገፍን ክግበረለን እዩ ኢለን።

ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወ/ሮ ኣለማት ኣማረ ብወገነን ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ እቲ ኲናት ከምዝኾና ብምግላፅ ብትካል ገባሪ ሰናይ እኖታት ንእኖታት ንዝተገበረ ሓገዝ ብምምስጋን ካብ መንግስቲ ዘድሊ ደገፍን ክትትልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምምርድዳእ ከምዝሰርሓ ገሊፀን።

#ብጥዑማይ ገዛኢ