ኣትሌት ቢንያም ኣብ ስፔን ከተማ ነርጃ ኣብ ዝተኻየደ መፃረይ ውድድር ኦሎምፒክ እዩ ብጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ ብትሕቲ 20 ዓመት ክብረ ወሰን ዓለም ኣመሓይሹ።
ኣትሌት ቢንያም ኣብቲ ውድድር ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ዋላ እኳ እንተዛዘመ ብትሕቲ 20 ዓመት ግን ሓዱሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊቡ እዩ። ነቲ ክብረ ወሰን ንምስባር 26 ደቒቓ፣37 ሴኮንድን 93 ማይክሮ ሴኮንድን ወሲድሉ።
ካብ ፕሮጀክት ኣትሌቲክስ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ መቐለ ዝፈረየ ኣትሌት ቢንያም ኣብ መድረኽ ኣትሌቲክስ ከምዝደምቕ ድማ ኣሰልጣኒኡ በላይ ደሳለይ ብተደጋጋሚ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።
ኣብቲ መፃረይ ውድድር ኦሎምፒክ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ተሳትፎ ኦሎሜፒክ ፓሪስ ኣረጋጊፁ።
ኣትሌት ዮሚፍ ቀጀልቻ ቀዳማይ ደረጃ እንትወፅእ ኣትሌት ሰለሙን ባረጋ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ።
ብደቂ ኣንስትዬ ኣብ ዝተኻየደ መፃረይ ውድድር ኦሎምፒክ ድማ ብጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ ተጋሩ ኣትሌታት ፎትየን ተስፋይን ፅጌ ገብረሰላማን ብቕደም ሰዓብ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን። ግርማዊት ገ/ሄር ሻድሻይ ደረጃ ሒዛ። ለምለም ሃይሉ ውድድራ ኣይዛዘመትን።
#ገ/ሄር ታደለ