Home ዜና ነበርቲ ስዊድንን ታክ ቢዩዝነስ ግሩፕን ከባቢ 20 ሚልዮን ብር ዝግመት ናውቲ ሕክምና...

ነበርቲ ስዊድንን ታክ ቢዩዝነስ ግሩፕን ከባቢ 20 ሚልዮን ብር ዝግመት ናውቲ ሕክምና ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኣረኪቦም።

180

መቐለ፥ 23 ጥሪ 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ብኣታሓባባርነት ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ስዊድንን ታክ ቢዩዝነስ ግሩፕን ናውቲ ሕክምና ንሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ተረኪቡ።

ማሕበር ሕሙማን ኩላሊት ትግራይን ካልኦት ተሓከምቲ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደርን ማሽናት ሕፅበት ኩላሊት ብምብልሻወንን ሕፅረት መድሓኒትን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ብምህላውን ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ምህላውን ሕክምና ንምርካብ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት የጋጥሞም ከምዘሎን ንቴሌቪዥን ትግራይ ብተደጋጋሚ ምግላፆም ይዝከር።

እዚ ፀገም ዝተረድኡ ዲያስፖራ ትግራይ ነበርቲ ስዊድን ድማ ለገስቲ ብምትሕብባር ሽዱሽተ ማሽናት ሕፅበት ኩላሊት፣ ዓራት፣ ዊልቸርን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ብሓገዝ ኣረኪቦም።

ካልእ ናውቲ ሕክምና ዝሓዘ ኮንቴነር ኣብ ጉዕዞ ከምዘሎ እውን ነበርቲ ሰዊድን ብምውካል ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ኣይተ ኣርኣያ ገ/ሄር ተዛሪቦም።

ቅድሚ ኣዋርሕ ናብዚ ሆስፒታል መፂና ዘሎ ፀገም ምስረአና ኢና እዚ 7 ሚልዮን ብር ዝዋግኡ ብዓል 2 ሰክሪን ኒው ጀኔረሽን(GE) ኣልትራ ሳውንድ ሒዝና መፂና ሓገዝና ድማ ቐፃሊ እዩ ዝበሉ ድማ ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ታክ ቢዝነስ ግሩፕ ኣይተ ሕሩይ ሊላይ እዮም።

ዋና ዳይሬክተር ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዶር. ክብሮም ገ/ስላሴ ዋና ዳሬክተር ኣባላት ዲያስፖራ ትግራይ ለገስቲ ብምትሕብባር ነቲ ሆስፒታል ሓገዝ ከም ዝገበሩ ብምዝኽኻር እቲ ሎሚ ዝገበርዎ እውን ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበረ ፀገም ዘቃልል ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብታክ ቢዝነስ ግሩፕ ዝተውሃበና ዘበናዊ ኣልትራሳውንድ እውን ታራ ይሕዙ ዝነበሩ ተሓከምቲ ካብዚ ክድሕኑን፥ ሰብሞያ ሰኣን መሳርሒ ግልጋሎት ንምሃብ ዝነበሮም ፀገም ዝፈትሕን እዩ ኢሎም።

ኣካዳሚክ ምክትል ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶር. ዓብደል ቃድር ኬድር ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት ብምምስጋን ብኲናት ዝተሃሰየ እቲ ሆስፒታልን ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስን ንክጠናኸር ሓጋዚ ምዃኑ ብምግላፅ እቲ ሓገዝ ቐፃልነት ክህልዎ ተላብዮም።

ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ከምዚኦም ዝበሉ ሓገዛት ረኺቡ እንትጠናኸር ካብ ትግራይን ካብ ጎረባብቲ ክልላትን ንዝመፁ ተሓከምቲ ግልጋሎት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ንኻልኦት ትካላት ጥዕና ትግራይ እውን ደገፍ ከም ዝገብር ኣመራርሓ እቲ ሆስፒታል ገሊፃም።

ብኪሮስ_መሓሪ