Home ዜና ነበርቲ ወረዳ ኢሮብ ተጀሚሩ ዘሎ ህንፀት መንገዲ ቀልጢፉ ክዛዘመሎም ሓቲቶም።

ነበርቲ ወረዳ ኢሮብ ተጀሚሩ ዘሎ ህንፀት መንገዲ ቀልጢፉ ክዛዘመሎም ሓቲቶም።

604

መቐለ፥1 ታሕሳስ 2017ዓ/ም ( ቴሌቪዥን ትግራይ )

ነበርቲ ወረዳ ኢሮብ ንዕዳጋን ካልኦት ማሕበረ ቁጠባዊ ንጥፈታትን ናብ ከተማ ዓድግራት ንምኻድ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ብር እናኸፈሉ ብምኻኖምን ካልኦት መሰረተ ልምዓት ንከይኣትው ፀገም መንገዲ ዕንቅፋት ይኾን ብምህላውን ተጀሚሩ ዘሎ ህንፀት መንገዲ ቀልጢፉ ክዛዘም ሓቲቶም።

ከም ትምህርቲ ፣ጥዕናን መብራህትን ንኸይኣትው ፀገም መንገዲ ዕንቅፋት ይኾን ምህላው እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም።

በዓል መዚ መንገድታት ትግራይ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ካብ ፀላኢ ሓራ ኣብ ዝኾና ኸባቢታት ብኻልአይ ምዕራፍ ብልዕሊ 194 ሚሊየን ብር ዘስርሖ ዘሎ መንገዲ ፀፀር ዝርከበሉ ብርኪ ንምዕዛብን ዘለዎ ፀገማትን መፍትሒ ንምቅማጥን ምስ መዳርግቱ ብምኻን ናብቲ ቦታ ዑደት አካይዱ።

ዋና ስራሕ መካየዲ በዓል መዚ መንገድታት ትግራይ ዶ/ር ሽሻይ ኣማረ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት እቲ
መንገዲ ካብ ግራዶነደር ናብ ሓረዛ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐን እቲ ዝተረፈ ካልአይ ምዕራፍ ካብ ያሆደጊ ናብ አራዕ ዝወስድ 16.7 ኪ/ሜ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ እቲ 10.8 ኪ/ሜ እናተፀረገ ከምዘሎን ዛጊድ 51ሚኢታዊ ከምዝበፀሐን ገሊፆም።

ምስ ሕፅረት በጀትን አቀማምጣ ገፀ መሬት እቲ ኸባቢ፣ሕፅረት ከባብያዊ እታወታትን እቲ መንገዲ
ህንፀቱ ይጓተት ከምዘሎን ኣረዲኦም።

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ስራሕቲ እዚ መንገዲ ምስቲ ብወርቲ ዝተሃሰየ ከባቢ ምዃኑን ንማሕበረሰብ ማሕበረ- ቁጠባዊ ፀገማት ዝፈትሕ ምዃኑን ብምእማን ፍሉይ ቆላሕታ ተዋሂቡዎ ኣብዚ ዓመት ተዛዚሙ ናብ ግልጋሎት ንኽበቅዕ ፃዕሪ ይግበር ምህላው ገሊፆም እቶም ኣካያዲ ስራሕ።

ኣብቲ ወረዳ ዘለው ኮነ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝነብሩ ተወለድቲ ኢሮብ ህንፀት እቲ መንገዲ ኣብ ምዝዛምን ካልኦት ንጥፈታት ኣብ ምስላጥን ሓገዞም ከጠናኽሩ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ።

ብዳዊት መኮነን።